13.7 C
London
Saturday, July 27, 2024

ኣንነት ውድቀት እዩ – ትሕትና ግን ሓይሊ እዩ!!


ሰላም ኣብ ርሑቕን ቀረባን ዘለኹም ክቡራት ኤርትራውያን አሕዋት ኣሓት – ርሑስ ሓዲሽ ዓመት ይግበረልና እናበልኩ ነቶም መዛኖይ ከም ዓርክን መሓዛን፡ ነቶም ምንኣሰይ ከም ዓቢ ሓው ነቶም ናእሽቱ ከኣ ከም ደቀይ ምስዚ ህሉው ኩነታትና ዝዛመድ ከነስተብሀለሉ ኣሎና ዝበልኩዎ ጉዳይ አካፍለኩም።
ኤርትራውያን ዜጋታት ኩላትና ፈተውቲ ዓድናን ኣፍቀርቲ ህዝብናን ኢና። ኩልና ዓደይ ዓደይ ሓወይ ሓፍተይ በሃልቲ ኢና። ይኹን እምበር ኣብዚ ሕጂ ቴክኖሎጂ ዘምጸኦ፡ ንዘተን ልዝብን ንትምህርትን ፍልጠትን ክንጥቀመሉ ዝግበኣና ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኣብ ሓደ ሓደ አሕዋትና ሰኣን ዓቕምን ፍልጠትን ኣብ ገሌና ከኣ ትርጉም ብዘይብሉ ህልኽን ቅርሕንት ኣነ – ኣነ እናተበሃሃልና ንሓድሕድና ክንጠቓቓዕ እርእን እሰምዕን ስለዘለኹ እየ ነዛ ሓጻር መልእኽተይ ክሕንጥጥ ተበጊሰ።
ደቂ ሰባት ብፍጥረትና “ኣነን ንዓይን” ዝብል ናይ ጸብለልታን ስሰዐን ባህርን ዝተነደቕና ኢና። ስለዝኾነ “ ኣነ እኽእል፡ ኣነ እነፍዕ፡ ኣነ እሓይሽ፡ “ኣነ -ኣነ” ክንብል ንቡርን ባህሪያውን እዩ። ይኹን እምበር ሕብረተሰብ፡ ነታ “ኣነ” እትብል ናይ ኣንነነት ሕላገት፡ ብጽሑፍን ዘይተጻሕፈን ባህላውን ሃይማኖታውን ሕግታት ጽኑዕ ልጓም ስለዝገበረልና ተቐይድና ንጓዓዝ ኣሎና። ንወዲ ሰብ ናብ መስመርን መስርዕን ዘእቱ ሕግን ባህልን እንተዘይነብር እቲ እንስሳዊ ባህሪያትና ምዓብለለና። “ኣነ – ኣነ” እናበልና ከኣ “ኣቕርንቲ ኣንነት” ሒዝና ንሓድሕድና ምተሃናኾትና።
ይኹን እምበር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ “ኣነ -ኣነ” ዝብል ኣንነትን ትዕቢትን በዚሑ፡፡ ጸርፍን ዘለፋን ሰፊሑ ስለዝርኢ፡ መገድና ስሒትና ናብ ጥፍኣትን ብርሰትን ከይንወድቐና እስከፍ።

ባህልን ሕግን ብሰላም ዘተን እምበር ብኵናትን ህልኽን ዝህነጽ ዕቤትን ምዕባለን ከምዘየሎ ኣረጋጊጹልና እዩ። ኩላትና ከምእንፈልጦ ኣብ ሰላምን ርግኣትን እምበር ኣብ ውግእን ኵናትን ምዕባለን ትንሳአን የሎን። ከምኡ ኮይኑ ከብቅዕ ግን ሓያላን ዓለምና ብዕብለላን ስሰዐን ዋንነት ጸጋታት ምድርን ባሕርን ክቆጻጸራ ፈቐድኡ መጋርያ ኵናት ክኣጉዱን ብኣጽዋራት ጥፍኣት ክነግዱን ንርኢ ኣሎና።
ስለዚ እየ ከም ኣያን ሓውን ነዚ ዘለናዮ ኩነታት ቁሩብ ርግእ ስኽን ኢልና ክንርእዮን ሚዛን ኣነን ንሕናን ኣብ ግምት ከነእቱን ነብስና ክንምርምር ዝጽውዕ ዘለኹ። እዚ ሕጂ ስልጣን ምልኪ ጨቢጡ ዝረጋግጸና ዘሎ ውልቀ መላኺ ካብቲ ኣብ ቃልሲ ዘጥረናዮ ሓባራዊ መትከላዊ ባህሊ “ንሕናን ኩላትናን” ናብ ኣነን ኣንነትን ወሪዱ፡ “ ኣነ ዘይብላ ኣስመራ፡ ኣነ ዘይብላ ኤርትራ” ብምባል ጉዳይ ሃገር ሓቢርና ንርኣዮን ነዐርዮን ዝበሉ ኣርካናት መቓልስቱ ብጭካነ ኣሲሩን ሰዊሩን ንኹሉ ቢሕትዎ ዘሎ።

ንሕና’ኳ በብታ ዓቕምና “ኣነ – ኣነ” እናበልና ደኣ፡ ንሱ ግዳ ትማልን ሎምን መኪና ምልኪ ዝመርሐ ከመይ “ኣነ -ኣነ” ዘይብል? ስለዚ ከኣ እየ ኩላትና ካብ ሕማም ኣንነት ወጺእና ኣተሓሳስባና ከነተዓራሪ ዝሓትት ዘለኹ።
ንሕና ኤሪትራውያን ካብዚ ኣድማሳዊ ሕጊ ወጺእና፡ ክብርን ሕግን ሃይማኖት ጢሕስና፡ ኣነ – ኣነ፡ ናተይ – ናተይ ከይንብል፡ ብዓድን ኣውራጃን ብእምነትን ሃይማኖትን ከይንረሓሓቕ፡ ብፖለቲካን መርገጽን ተተፋኒንና ኣብ ክልተ ጫፋት ቅርሕንቲ ከይንዓርድ ርግእ ኢልና ነብስና ክንፍትሽ ከድልየና እዩ።
ኤርትራውያን አሕዋት፦ ሃይማኖትን እምነትን ዓደን ኣውራጃን ብዘየገድስ ከም ደቂ ሓንቲ ሃገር፡ ከም ደቂ እታ ኣሽሓት ብሉጻት ዝኸፈልናላ ሃገር ርስቲ ጀጋኑ ኤርትራ ድሕሪ’ዚ ጸልማትን ጽልግልግን ብልጽትን ብልጽግትን ሃገር ክንሃንጽ ቁሩብ ርግእ ኢልና ክንሓስብ ክውንነት የገድደና ኣሎ።
ኣብዚ ፈቐደኡ ተተኺሉ ዘሎ ቻነላት ዩ-ቲዩብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንሓድሕና ክንዘናጠል ክንመናጠል ግቡእ ኣይኮነን። መስሓቕ ሸራፋት መስሓቕ ጓህማማትን መፍቶ ጸላእቲ ሰናይና ከይንኸውን ክንሓስብ ይግባእ።
ንኩሉ መጠንን ሕግን ኣለዎ! ኣብቲ ኣነ ክንብል ዘድልየና ኣነ ክንብል ንኽእል ኢና። ግን “ንሕና” ንዝብል ሓባራዊ ክብሪ ኣብ ግምት ከነእቱ ይግባእ።

ካብ ኣመንቲ ምስልምና ኣሕዋትና ዘድንቖን ዘይርስዖን “ከብዲያ ሎቖታ: ኣምሓድሊላህ ደረታ” እትብል ባህለዊ ምስላ ኣላ!! ኣብ ክርስትያን እውን ” ንቐደም ዘይብል ጥቓ ሓራስ ኣይቕረብ” እትብል፡ ንዘላትካ ትዕበ ትንኣስ ትሕመቕ ትጸብቕ ተኻፊልካ ሓወይ ሓፍተይ እናተበሃልና ክንነብር ምኽሪ ካብ ዝልግሳ ዓንዲ ምክብባርን ምውህሃድን እያ።
ኣብ ጽንኩር እዋን ቃልሲ፡ ኣብቲ ጸጸብቑ ካብ ንዓይ ንብጻየይ! ኣብቲ ሐሕማቑ ከኣ ቅድም ንዓይ እናተበሃሃሉ፡ እዮም ጀጋኑ ነዛ ሕጂ በብዝመስለናን ፖለቲካዊ እምነትን ኣተሓሳስባን ክትቀስነልናን ክትምዕርገልና እንምነያ ዘለና ሃገር ኣረኪቦሙና ሓሊፎም።
ሕጂ ግን ነታ “ኣነ” እትብል ናይ ኣንነነት ሰንደቕ ነታ “ንሕና” እትብል ክብሪ ሓባር ዓብሊላ ከም ሓረግ ኣብ ዳዕሮ ኣብ አእምሮና ብኽፍኣት ትጥምጠም ከይትህሉ ኩነታትና ክንፍትሽ እዋኑ እዩ።
እቲ ፍጹም ገርህን ካብ “ንዓና” ንህዝብናን ሃገርናን ዝብል፡ ኣካሉ ዝበጀወ ስውእ፡ አእጋሮም ጎዪ ከይጸገበ፡ አዒንቶም ርእዪ ከይዓገበ፡ እቲ ሓያል ብሉጽ አእምሮኦም ብዕሸሉ ዝተቖጽየ፡ ኣራእሶም ብጥይት እተበስዐ፡ መሓውሮም ብመዳፍዕ እተሰልዐ፡ ወዶም ጓሎም እቲ ጽቡቕ ቅርጺ ኣካላቶም፡ መልክዖም ምስሎም ከይተቖናጀወሉ፡ ዕምበባ ንእስነቶም ማንካ ከየልዓሉላ ብመስዋእቲ ዝሓለፉን ኣካላቶም ወፍዮም፡ ዝተረፈ ህይወቶም ኣብ ዓረብያ ስንኩላን ዊልቼር ዘሕለፉዎ ዘለው ጀጋኑና ከም መወከስን ሰነድን እናረኣና መስመርናን መሳርዕንን ከነስተኻኽል የድልየና ኣሎ።

ሓቂ እዩ ምልኪን መላኽን ንእምነትና ጨውዩ፡ ካብ ቤትናን መሰረትናን ኣዘናቢሉ ከም ደቂ ዛግራ በታቲኑና እዩ። እንተኾነ ድሮ ብደምን አዕጽምትን እተሰረተት እነፍቅራ ክብርቲ ሃገር ስለዘላትና ፖለቲካዊ ፍልልያትና ሒዝና ተጸዋዊርናን ተኸባቢርናን ብፍቕርን ልቦናን ክንላዘብ ንሕተት ኣሎና። ብፍላይ እቶም ካብ ሃገር ርሒቕና ኣብ ስደት እንርከብ፡ ካብተን እንነብረለን ሃገራት ምዕራብ ደሞክራሲያዊ ምሕደራን ፖለቲካዊ ብዙሕነትን ክንመሃር ይግባእ።
ስለዚ ክቡራት ደቂ ሃገር አሕዋተይ ካብ ኣንነትን ወጺእና ዕንደራን ፋሉልነት ወጊድ ኢልና፡ ሃገር ምስ ዘፍረየቶም ለባማትን ብሉጻትን ዜጋታት ብትሕትናን ኣኽብሮትን ኢሂን ምሂን እናተበሃሃልና መጻኢና ከነጸብቕ ይግባእ – ንፍቕሪ ኣብ ነዊሕ ኢኻ ትሃንጾን ትነድቆን፡ ስለዚ ነቲ ብመሪር ቃልስን መስዋእትን ዝተነድቀ ክብርታትና ክንሕልዎ ሓላፍነትን ግዴታን ኣሎና። ስለዚ ኣብ ዝብጻሕ ከይበጻሕና ኣንነትና ሓሊኹ ከየውድቐና ክንጥንቀቕ ኣሎና። ዘይሓሰብናዮ ከይገጥመና፡ ዘይገመትናዮ ከይረኽበና ብልቦናን ትሕትናን መጻኢና ከነውሕስ ብሕድሪ ሰማእታትና ንሕተት ኣሎና’ሞ – ልቢ ነዕቢ!!!

ሓውኹም መጎስ ብርሃነ ካብ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ እየ።

Stay Connected

- Advertisement -

Latest Articles