8.3 C
London
Sunday, March 9, 2025
spot_img

መልእኽቲ ንእሱራት ኣርካናትና! ሓተታ ደሃይ ኤርትራ

መልእኽቲ ንእሱራት ኣርካናትና!ሎሚ 14 ለካቲት: ብቫላንታይ ደይ እትፍለጥ መዓልቲ ፍቑራት እያ። እዛ ጾታዊ ፍቕሪ ንምድማቕ እተበዓል እኳ እንተዀነት ንኣዕሩኽን ስድራ ቤትን እውን ፍቕርኻን ሰናይ ትምኒትካን ክትገልጸላ ይከኣል እዩ። እዛ ዕለት ባህላውን ጂኦግራፍያውን ዶባት ብዘየገድስ ከኣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ትኽበር።

ኣብዛ ዕለት ብስራሕን መገሻን ተረሓሒቖም ዝጸንሑ ፍቑራት ብማሕበራዊ መራኸቢታት ደብዳበታትን ኢሜይላትን ነናብ ፍቱዋቶም መልእኽቲ ፍቕርን ናፍቐትን የመሓላልፉ። እቶም ብሓደ ዝነብሩን ብኣካል ክራኸቡ ዕድል ዘለዎምን ከኣ ዕምበባ ጽጌሬዳን ዝተፈላለየ ህያባትን ይወሃሃቡን ኣብ ቤቶም ይኹን ኣብያተ መግቢ ድራር ፍቑራት ይገባበዙ።

ይኹን እምበር ኣብዛ መዓልቲ ናብ ፍቱዋቶምን መልእኽቲ ፍቕርን ናፍቖትን ክሰዱ ዕድል ዘይረኽቡ ኣብ ፈቐዶ ጨካን ኣብያተ ማእሰርቲ ምልካዊ ስርዓታት ዝሳቐዩ ተቓለስቲ ፍትሒ እሱራት ኣለው፥

ኣብ ኤርትራና ጥራሕ እኳ ኣብተን ኣስታት 360 ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒኖም ብዘይፍትሓዊ ኣገባብ ዝሳቐዩ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዜጋታትና ከምዝርከቡ ሰነዳትጸብጻባት ሕቡራት ሃገራትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን የመልክት።

ኣብዛ መዓልቲ ፍቕርን ፍቑራትን ነብሱ ወከፍ ኤርትራዊ ነቶም ኣብ ጽኑዕ ኣብያተ ማእሰርቲ ብሓባርን ብውልቅን ኣብ ነናይ ብሕቶም ሸላታትን ተቐፊዶም ዘለው ናይ ሕልና እሱራት መልእኽቲ ፍቕርን ናፍቖትን ከነብጽሓሎም ብጸሎትን ሕልናን ክንዝክሮም ብዝወረዶም ግፍዕን ኣደራዕን ክንጣበቐሎም ኣንጻር እቲ ዘጋጠሞም ዓመጽን በደልን ኢፍትሓዊ ኣተሓሕዛን ከኣ ክንምጒተሎም ግዴታ ኣሎና።

ኣብዛ ዕለት እምበኣር እቶም ንፋስ ኣዱንያ እናስተማቐርና ኣብ ቤትናን መዘናጊዒታትን ፍቕርና እንጽምብል አሕዋት ነቶም ዓመጽን በለጽን ጸይኖም ኣንጻር ምልካዊ ስርዓትን ምሕደራን ኢሳይያስ ምእንቲ ፍትሕን ርትዕን ዕቤትን ድሕነትን ኤርትራ ደው ዝበሉ ኣብ ህይወቶም ድርብ ዋጋ ዝኸፈሉ ምእንቲ ፍትሒ ዝተበጀው ኣርካናት ጀጋኑና ብሕልናን መንፈስን ክንዝክሮምን ምስሎም ካብ አዒንትና ሞየኦም ኣብ ሕልናና ተኸዊሉ ከምዘይፈልጥ ክንነግሮም ግዴታ ኣሎና። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ነቶም ኣብ ሸላታት ዒላዒሮን ፈቐዱኡ ጐዳጉድን ንልዕሊ 23 ዓመታት ተሰዊሮም ዘለው ኣርካናት ብጻያዊ ፍቕሪ ዝገልጽ መልእኽቲ ሕውነት ክንልእከሎም ዕግበት ይስመዓኒ።

እዞም ኣርካናት ልዕሊ ህዝቦም ንግሎም ንዕሊ ሃገሮም ንውልቆም እንተዝሓስቡ ምስዚ ምልካዊ ስርዓት ተሰማሚዖም ምነበሩ። እቶም ልዕሊ መትከልን ዕላማን ብጻያዊ ጠቕምን ረብሓን ዘቐደሙ ወይ ሚዛን ሓይሊ ገምጊሞም “ቅዱም ኣይትኹን!” ብዝብል በለጻዊ ኣካይዳ ናይ ውሽጦም ሓቢኦም ንዘጽቀጡ ተበለጽቲ እንተዝመስሉ ምስ ደቆምን ስድረኦምን ምነበሩ። ቅድሚ ነብሶም ንህዝቦምን ሃገሮምን ስለዘቐደሙ ግን ከቢድ ዋጋ ይኸፍሉ ኣለው። ስለዝዀነ ከኣ ኢና በቲ ንዕላማኦም ዘርኣይዎ ትብዓት ን ሕድሪ ሰማእታት ንምኽባር ዝወሰዱዎ ቆራጽነትን ፍቕርናን ናፍቐትናን ኣኽብሮትናን ኣድናቖትናን ክንገልጸሎም ዘሎና።

ሎሚ እምበኣር ብስም ደሃይ ኤርትራን ተኸታተልታን ብስም እቲ ኣብ ሃገርን ስደትን ዘሎ ደላይ ፍትሕን ለውጥን ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ መልእኽቲ ፍቕርን ክብርን ከመሓላልፎም ክብሪ ይስመዓኒ።

ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርቲ ምልካዊ ስርዓት እትርከቡ ፍቱዋት ኣርካናት ብጾት ኣብዚ መዓልቲ ፍቑራት ኣብዛ ዕለት ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ዝዀነ ሰዓትን መዓልትን ለይትን ቀትርን ኣብ ዝኽርናን ሓሳብናን ከምዘለኹም በቲ ዝኸፈልኩሞ ረዚን ዋጋ ብልዑል ኣኽብሮትን ኣድናቖትን ከምእንዝክረኩም ክገልጸልኩም እፈቱ።

ኣብቲ ሰብኣዊ ርህራሀ ዘይብሉ ብሕሱም ጭካነ ዝመሓደር ሕሱም ኣብያተ ማእሰርቲ ምልኪ ከቢድ ሃለዋት ተሕልፉ ከምዘለኹም ንፈልጥ ኢና። ስለዝዀነ ከኣ ኢና ኣብዛ ብመዓልቲ ፍቑራት እትግለጽ ዕለት ኣብ ዝዀነ ይኹን ሰዓት ኣብ ዝኽርናን ሓሳብናን ኣብ ልብናን አእምሮናን ህያው ምዃንኩም ከም እሱራት ውልቀ-ሰባት ዘይኰነስ ከም ሃገራውያን ኣርካናት ተቓለስቲ ፍትሒ ብልዑል ሓበን ከምእነኽብረኩም ንምስክር ዘሎና።

ኣብቲ ዕጹው ሸላታት መዓልታዊ እተሕልፉዎ ህይወት ካብቶም ጭካነ እቲ ስርዓት ተጸይኖም ሓጹር ሞት ሰጊሮም ንስደት ዘምርሑ ሓለውትኹም ዝነበሩ መሰኻኽር ዓይኒ ሰሚዕናዮ ኢና። ነቲ ዝኣመንኩምሉ ህዝባዊ ዕላማ ኣብ ትሕቲ እቲ መሪር ምሕደራን ጨካን ኣተሓሕዛን ከምእትዝምርሉ ዛንታ ይበጽሓና እዩ።

ዝኸበርኩም ኣርካናትና ሃምን ቀልብን ህዝብና ምሳኹም እዩ። ሓደ ዕስሪት ናይቲ ዘርኣኹሞ ትብዓት ከነርኢ ዘይምኽኣልና የቐንዝወና እዩ። ኣብቲ ፈታኒ እዋን ምሳኻትኩም ተሰሊፍና እምቢ ንምልኪ እንተንብል ዛንታ ኤርትራ ካልእ ምዀነ። ብሓባር ነቲ ዘጋጥመና ብድሆታት ስዒርና ፍትሒ ንእሱራትና ኢልና ኣብ ቅርዓትን ጐደናታትን ሃገርና እንተንጭርሕ ዛንታና ካልእ ምዀነ።

እቲ ንፍትሕን ሃገራዊ ክብርን ዝኸፈልኩሞ ዋጋ ሎሚ ኣብ ልቢ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ሰሪጹን መሓውራት ምልኪ ይነቓነቕ ኣሎ። እቲ ብደምኩም ዝተኸልኩሞ ፈልሲ ደሞክራሲ ሎሚ ኣብ ፈቐዶ ኩርናዕ ኤርትራን ስደትን ዓምቢቡ ዜጋታት ከጽልልን ከዕስልን ጀሚሩ ምህላው ከበስረኩም እደሊ።

እቲ ኣብ ኣደባበይ ዝጨራሕኩሞ ቃላት ፍትሕን ደሞክራስን ከም ኣዛን መዓልታዊ ኣብ አእዛንና እናቃለሐ “ የነቓቕሓና ኣሎ። ሕሳብና ክንገብር ኣሎና! ጅግና ዝበሃል ፈተውቲ ዘብዝሕ ጸላእቲ ዘውሕድ እዩ። ሎሚ ጀግንነት ዝበሃል ክንደይ ቀቲልካ ዘይኰነስ ክንደይ ምሒርካን ፈቲሕካን እዩ!” ዝብል ሞራል ዘስንቕ ድምጽታትኩም መወከሲ ቃልሲ ገይርናዮ ንቕድሚት ንስጉም ኣሎና።

እዚ መልእኽቲ እዚ ዶባትን መሰናኽላትን ሰጊሩ ናብቶም ድምጽኹም ከይሰምዑ ምዕባለ ጉዕዞኹም ከይንገሩ ዝተኸልከሉ ዕለተ ድሕነትን ለውጥን ዝጽበዩ ዘለው ህዝብና የንጐድጉድ ኣሎ። ናይ ጽንዓት መልእኽታትኩም ብማዕከናት ሚድያ ደለይቲ ፍትሒ ካብ ዲያስፖራ ናብ ኣስመራ የንጐድጉድ ኣሎ። እቲ ትማል ፕሮፖጋንዳ ምልካዊ ስርዓት ሓደ መልእኽቲ ጥራሕ ሰሚዑ ዝተደናገረን ህዝቢ ሎሚ ነቲ ዝተዓብጠ ድምጽታትኩም ሰሚዑ ጉዳያት ከገናዝብ ዕድል ረኺቡ ኣሎ።

ሎሚ ኣብ ነብሲ ወከፍ ቁሸት ዝነብር ህዝብና ንጨካን ባህሪያት እዚ ምልካዊ ስርዓት ተረዲኡዎን ፈሊጡዎን እዩ። ስለዝዀነ ልቡን ቀልቡን ምሳኻትኩም ምስ ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን ምስ መማህራን ሕግን ርትዕን እዩ ዘሎ። ስለዝዀነ ብሓሳብን ጸሎትን ምሳኹም እዩ ዘሎ። ካብቲ ዘለኹሞ ሸላታት ዒላዒሮን ስውር ጐዳጉድን ወጺእኩም ነታ ክቡር ዋጋ ዝኸፈልኩሙላ ኤርትራዊ ብናጽነትን ክብርን ዝነብረላ ናይ ተስፋ ሃገር ክትጽምብሉዋ ኩሉ ፈታዊኹም ብጸሎትን ቃልስን ምሳኹም ኣሎ።

ኣብዛ መዓልቲ ፍቑራት ኣብ ልዕሌኹም ዘሎና ክብረትን ኣድናቖትን ደረት ከምዘይብሉ ክንገልጸልኩም ንፈቱ። ሎሚ እቲ ብክቱር ስሰዐ ስልጣን ንብጾቱ ዝጠለመ ኢሳይያስ ጽላሎቱ ምእማን ስኢኑ ንበይኑ ኣብ ዓዲ ሃሎ ይዛውን ኣሎ። እቲ ብመስዋእቲ ጀጋኑ ደቂ ህዝብን መዘና ዘይብሉ ኣበርክቶኹምን ከም መራሒ ሰውራን ሃገርን ተቖጺሩ ከም መለኮት ዝረአ ዝነበረ ኢሳይያስ ሎሚ ከም መልኣከ ሞት ይፍራሕን ይጽየንን ኣሎ።

ኣብዛ መዓልቲ ፍቑራት ኣብ ጸልማት ሸላታት ተኣሲርኩም ዘለኹም ኣርካናት ቃልሲ ጴጥሮስ ሰሎሞን ማሕሙድ ሸሪፎ ሃይለ ወልደንሰኤ ዑቕበ ኣብርሃ ሓሚድ ሕምድ ሳልሕ እድሪስ ኬክያ እስቲፋኖስ ስዩም ብርሃነ ገረዝግሄር ኣስቴር ፍስሓጽየን ጀርማኖ ናቲ በራኺ ገብረስላሴ ተስፋይ ገብረኣብ ኪሮስ ዓወር ኪዳነ ገብረኣብ ቢትወደድ ኣብርሃ ሰናይ ክፍለየሱስ ዓሊ ዑማሮ ስዩም ጸሃየ ፍስሃየ ዮውሃንስ ዳዊት ኢሳቕ፣ ዳዊት ሃብተሚካኤል፣ ማቴዎስ ሃብተኣብ፣ ኣማኑኤል ኣስራት ተመሰግን ገብረየሱስን፣ ስዒድ ዓብደልቃደር፣ ’ ዮሱፍ መሓመድ ዓሊን መድሃኒ ሃይለን ክንደይ ኢ ሞ ክጽብጽቦም ኣብ ፈቐዶ ሸላታት ተኣሲሮም ተሰዊሮምዘለው ኣሽሓት እሱራትናን እቲ ብሕልና ዝሞቐ መንፈስኩም ኣብ ልባት ነብሲ ወከፍና ደሚቑ ምህላውከካፍለኩም እደሊ።

ምስልኹም ኣብ ለይቲ ብብርሃን ከዋኽብቲ ደሚቑ ከም ዘጸናንዓና ስምኩም መብራህቲ ተስፋ ኰይኑ ከምዝመርሓና ክነግረኩም እደሊ። ስለዝዀነ ከኣ እዩ ወትሩ ክንሰምየኩምን ክንዝክረኩምን ባህ ዝብለና። ጸላኢኹም ጸለሎ እናቐብአ ከጸልመኩም ካብ መዛግብ ታሪኽን መሳኹቲ ቴሌቪዥን ክሓከኩም እኳ እንተፈተነ ብጽንዓትኩምን ተወፋይነትኩምን ሓንሳብ ኣብ ልቢ ህዝቢ ስለዝሰፈርኩም ዝገበረ እንተገበረ ምስላጥ ኣብዩዎ መላቐስቲ ሓሶት ቖጺሩ ይቑዝም እዩ ዘሎ። ዝኸበርኩም ኣርካናት ኣብ ዝመጽእ ዓመት መዓልቲ ፍቑራት ልክዕ ከምቲ ኣብ ሶርያ ብሃንደበት ዝተኸስተ ኩላትኩም እሱራት ካብ ሸላታት ጭካነ ወጺእኩም መምስ ፍቑራትኩም ከተብዕልዎ ብሓባር ክንጽንብሎ ሰናይ ምንዮተይ እገልጸልኩም! ዝኸበርኩም ስድራ እሱራት ኣርካናት!

በዚ ኣጋጣሚ ነቶም ብማእሰርትኹም ከቢድ ዋጋ ዝኸፈሉ ስድራ ቤትኩም ደቅኹምን ኣፍቀርትኹምን ስድራ ጀጋኑ ኢኹም እሞ ክብሪ ይሰማዕኩም። ኣብ ኤርትራና ተገፊዕኩምን ተዋሪድኩምን ኢኹም እሞ ብጀግንነት ወለደኹም ተሓበኑ። ብጽንዓትን ተወፋይነትን ስድራኹም ኣብ እትኽበር ፍትሓዊት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ቀሲንኩም እትነብርሉ ሓወልትን ሰንደቕን ወለድኹም ዝትከለሉ ቅየኦም ዝንገረሉ እዋን ርሑቕ ኣይኰነን እሞ ኩርዑን ተሓበኑን! ነዊሕ ተሳቒኹም ኢኹም እሞ ሕጂ ግን ጸሓይ ምልኪ ዓሪባ ጸሓይ ፍትሒ እትበርቀሉ ሰዓታት ይመጽእ ስለዘሎ ብሓጐስን ፍስሃን እትነብረሉ እዋን ርሑቕ ኣይኰነን። እታ መዓልቲ ህያው ክሳዕ እትኸውን ከኣ ልቢ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ምሳኹም ከም ዘሎ ተረድኡ። ንሕና እቶም ኣብ ሕቶ ፍትሕን ሰብኣዊ መሰላትን ጸኒዕና ዘሎና መቓልስቲ ወጽዓኹም ወጽዓና ስቓይኩም ስቓይና ስለዝዀን ብሕልናን መንፈስን ምሳኹም ኣሎና። ፍትሒ ክሳብ ዝረጋገጽ ከኣ ከም ወትሩ ኣንጻር እቶም ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ብዓመጽ ዝተኣስሩ ኣርካናትና ክንጣበቕን ክንምጕትን ኢና።

ኣብዛ መዓልቲ ፍቑራት እምበኣር ከም ስድራ ቤት ደለይቲ ፍትሕን ተቓለስቲ ሓርነትን ቅናትና ሸጥ ኣቢልና ነቲ ኣርካናት ወለድኹም ዝጀመሩዎ ቃልሲ ክሳብ ኣብ ምዕራፉ ዝበጽሕ ከም እንቕጽሎ ቃልና ነሐድስ! ዘልኣለማዊ ክብሪ ንሰማእታትና ፍትሒ ንእሱራትና ዓወት ከኣ ንህዝብና! ግዱሳት ደለይቲ ፍትሒ ለንደን 14 ለካቲት 2025!

Political Analysis

spot_img

Latest Articles