ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ትማሊ ረቡዕ 02 ሚያዝያ፡ “መዓልቲ ሓርነት” ኣመሪካ ኰይና ክትዝከር ክትነብር እያ ክብል ኣብ ልዕሊ ዝተፈለላያ ሃገራት ዓለም ዝኣወጆ ናይ ታሪፍ ስልዒት ኣዊጁ።
እቲ ኣዋጅ ኣብ ኵሉ ካብ ሃገራት ወጻኢ ዝኣቱ ፍርያት 10 ሚእታዊት መበገሲ ቀረጽ ብምንባር ካብ ቻይና፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ብሪጣንያን ደቡብ ኮርያ፡ ህንዲን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ዝኣቱ ዝተፈላለየ ኣቝሑት ተወሳኺ ቀረጽ ኣንቢሩ ኣሎ። እቲ ንዓለም ኣሰንቢዱ ዘሎ ሓዲሽ ቀረጽ ንከም ናይጀርያ፡ ጋና፡ ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ሞሪሸስን ዝኣመሰላ ድኻታት ሃገራት ኣፍሪቃ እውን ክትንክፈን እዩ።
እቲ ሕብረት ኤውሮጳ ይዅን ቻይና ዘቖጠዐ ዘይፍትሓዊ እዩ ዝተባህለ ፖሊሲታት ንግዲ ኣመሪካ ከም ናይ ንግድ ውግእ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ሕብረት ኤውሮጳ ንልዕሊ 75 ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ዝጸንሐ ዝምድናን ሽርክነትን ኣብ ግምት ዘየእተወ ነቲ ንቡር ንግዳዊ ኣሰራርሓ ዝዘርግ ውሳነ እዩ ክብላ እንከለዋ፡ ቻይና ግን ነቲ ንግዳዊ ኲናት’ዩ ክትብል ዝገለጸቶ ውሳነ ናብ ዓለማዊ ባይቶ ንግድ ክትወስዶን ክትምጉቶን ምዃና ገሊጻ ኣላ።
ሓያሎ ተንተንቲ ቁጠባ ዓለም እዚ ኣመሪካ ወሲዳቶ ዘላ ስጉምቲ ዋጋታት ሃለኽቲ ብምንሃር ኣብ ኣመሪካ ከይተረፈ ዝሕታለ ከኸትል ከምዝኽእል የጠንቅቑ ኣለው። ትራምፕ ግን ድሕሪ ናይ ሓጺር እዋን ምሕቋን እቲ ነገር ክሃድእን መስመሩ ክሕዝን እዩ በሃላይ እዩ።
ኣመሪካ ንልዕሊ 50 ዓመታት “ኣብ ቀረባን ርሑቕን ብዘለዋ ሃገራት፡ ብፈታውእ ጸላእን ብማዕረ ተዘሚታን ተዓሚጻን እያ ዝበለ ትራምፕ በዚ ሓዲሽ ውሳነ ዳግማይ ሓርነታ ከምዝኣወጀት ተዛሪቡ።
ዝበዝሑ ተንተንቲ ቁጠባ ግን፡ ማእከላይ ዝእቶቶም ስድራ ቤታት ኣመሪካ፡ ነቲ ብሰንኪ እዚ ሓዲሽ ታሪፍ ዝስዕብ ምንሃር ዋጋታት ግዳይ ከምዝኾኑ የጠንቅቑ። ትራምፕ ግን ካብቲ ብግብርን ቀረጽን ዝኣቱ ኣማኢት ቢልዮናት ዶላር ሓደስቲ ፕሮጀክትታት ክንሃንጽን ሰፊሕ ናይ ስራሕ ዕድላት ክንፈጥርን ኢና ይብል።
ኣመሪካ ካብቲ እትሰዶ ንላዕሊ ኣቑሑት ስለእትኣቱ፡ ብሃብትናን ዕዳጋናን ዝሰወዱ ሃገራት ሕጂ ይኣክል ክንብሎም ግቡእ እዩ ኢሉ።
እቲ ንመላእ ዓለም ጫቚ ጫቚ ዘብል ዘሎ ናይ ትራምፕ ታሪፍ ንኤርትራ ከምዘይትንክፋ ተገሊጹ።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብታ መዓልቲ ሓርነት ንግድ ኣመሪካ ክብል ዝሰመያ ዕለት ዘተኣታተዎ ሓዲሽ ናይ ታሪፍ ውሳኔ ንከም ቻይናን ሕብረት ኤውሮጳን ካናዳን ሜክሲኮን ህንድን ብራዚልን ኣብ ኣፍሪቃ ከኣ ንደቡብ ኣፍሪቃ ግብጽን ኢትዮጵያን ናይጀርያን ከዛርበን እንከሎ ንኤርትራ ግን ከምዘይትንክፋ ተፈሊጡ።
ኤርትራ ብትራም ስለዝተፈወት ወይ ሓለፋ ስለዝተግበረላ ግን ኣይኰነን። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይ ኤርትራ ቁጠባ ዱሩት ስለዝዀነን ምስ ኣመሪካ ትርጉም ዘለዎ ንግዳዊ ልውውጥ ስለዘይብላ እቲ ነተን ካልኦት ሃገራት ተጻዒኑወን ዘሎ ታሪፍ ትርጉም ከምዘይገብረላ ኪኢላታት ቁጠባ ይገልጹ።
ነዊሕ ይገብር ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ መልሕቕ ብእትብለን ብብዝሒ ህዝብን ቁጠባን ትርጉም ዘለወን ኣብ ኣርባዕተ እስትራቴጂካዊ ቦታ ዝተደኰና፡ ኣብ ሰሜን ብግብጺ ኣብ ምብራቕ ብኢትዮጵያ፡ ኣብ ደቡብ ብደቡብ ሱዳን ኣብ ምዕራብ ከኣ ብናይጄርያ እያ ክትውከል ጸኒሓ።
እዘን ከም ቀንዲ መሓዙት ኣመሪካ ክረኣያ ዝጸንሓ፡ ዓቢ ቁጠባን ዕዳጋን ዘለወን ሃገራት እምበኣር ሕጂ በዚ ናይ ፕረዚደንት ትራምፕ ሓዲሽ ታሪፍ ክትንከፋ እየን። ኤርትራ ግን ብቐደማ ነቲ ንብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ታሪፍ ሕድገት ዝገብር ብኣጋዋ ዝፍለጥ ጉንዖ ኣይተቐበለቶን እያ ነይራ።
እቲ ዝርካቡ ናይ ንግዲ ልውውጣ ከኣ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ቻይናን ስለዝዀነ እዚ ሕጂ ንዓለም ዘናውጽ ዘሎ ናይ ንግድ ውግእ ኣይምልከታን እዩ።
