8.3 C
London
Sunday, March 9, 2025
spot_img

እቲ ግዜ ኣኺሉ እዩ – እቲ ናይ ለውጢ እዋን ኣኺሉ’ዩ!

መንግስቲ ኤርትራ፡ ድሕሪ 30 ዓመት፡ ሕጂ፡ ራብዓይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን (PFDJ) ከካይድ ኣብ ምሽብሻብ ከምዘሎ ክውረ ጸኒሑ ኣሎ። ዋላ እውን ድሕሪ 30 ዓመት እንተዀነ ካብ ስቕ ምንቅስቓስ ይሓይሽ ዝብል ርእይቶ
ብሰፊሑ ክዝረብ ይስማዕ’ዩ።
ካብኡ ሓሊፉ እውን ‘ኣብርሃምን ኣብ ተመሳሳሊ ዕድመ ዝርከቡ፡ መሳርሕቲ ዝዀኑዎ መዛንኡ መንእሰያት፡ ብዕድመ ንዝሸምገሉ ሰበ ስልጣን ኤርትራ ክትክኡ ይመሃሩን ይኹስኰሱን ኣለው’ ዝብል ተባራሪ ወረ እውን ጸኒሑ ኣሎ።
ብግብሪ ግን ኣብ ባይታ፡ ህግደፍ ራብዓይ ውድባዊ ጉባኤ ንምክያድ ኣብ ምቅርራብ ከምዘሎ ዝሕብር ዝረአ ምልክት የሎን። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ማይ ነፍሒ፡ የማነ ገብረኣብን ሓጐስ ገብረሂወትን ዝመርሕዎ ናይ ኣባላት ህግደፍ ኣኼባ ከምዝተኻየደን ንምትኽኻእ ዝምልከት ሕቶታት ከምዝተላዕለን ሓበሬታ ነፊሱ ነይሩ።
ቅድሚ ሒደት ዓመታት እውን የማነ ገብረኣብ፡ “ መራሕትና ዕድመ ይደፍኡ ስለዘለው፡ ኣብ ዝመጽእ ሓሙሽተ ዓመት ናይ ግድን ምትኽኻእ ክግበር ኣለዎ!” ክብል ኣብ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ድሕሪ ምዝራቡ፡ ነቶም ከም ተካእቲ ዓይኒ ዘውደቑሎም ሰባት ከዘራርብ ጀሚሩ ነይሩ። እቲ ተበግሶ ግን ኢሳይያስ ተጣዒሱ ይጽናሕ ስለዝበለ ከምቲ ዝጀመሮ ኣይቀጸለን ዝብል ዘረባ ኣሎ።
ንነገሩ፡ ቀደም ደኣ’ዩ መሪሕትና ብሓባር ዘትዮምን መኺሮምን ዝውስኑን ዝትግብሩን ዝመስለና ነይሩ እምበር፡ ዳሕራይሲ፡ እቲ ቀንዲ ገባሪ ሓዳጊ ኢሳይያስ ምዃኑን ንሱ ዘየጽደቖን ዘይመረቖን ነገር ከምዘይግበር ንኹሉ ኤርትራዊ ጋህዲ ኰይኑ እዩ።
“እቲ ናይ ምትኽኻእን ስልጣን ምርኽኻብን ወረታት፡ ናይ ብሓቂ ዝሕሰብ ዘሎ ድዩ ወይስ እቲ ለውጢ ዝደንጐዮ ህዝቢ ባዕሉ’ዩ ዘሰላስሎ ዘሎ?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ባህሪያዊ እዩ። ሕጂ እውን እንተዀነ፡ ኢሳይያስ እምበር መሪሕነት ህግደፍ ስለዝደለዩዎ ዝግበር ነገር የለን። ግን፡ ሎሚ ዘይከም ትማሊ፡ ኣብ ባይታ ካብ ማንም ሰብ ክሕባእን ክኽወልን ዘይከኣል ጉሉሕ ሓቅታት ኣሎ።

እቲ ካብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ፡ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ኣባል ማእከላይ ባይቶ፡ መሪሕነት ህግደፍ ልዕሊ ፍርቂ ካብኡ፡ ብሕማምን ሞትን፡ ማእሰርትን ስደትን ጐዲሉ እዩ። እቲ ኣብ ስራሕ ኣሎ ዝበሃል እውን ብስእነት ጥዕናን እርጋንን ደኺሙን ማሲኑን ዘሎ እዩ።
ንነገሩ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዝሰርሕ ትካልን ምኒስትርን ኣሎ ክትብል እውን ዘጸግም እዩ። ንኣብነት ካብቶም 75 ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ እዞም ዝስዕቡ 15 ሰባት ብሞት ተፈልዮም ኣለው፦

  1. ንነዊሕ እዋን ደስኪሉ ዝጸንሐ ኣዛዚ ምብራቕ እዚ ነበር ሜጀር ጄነራል ሃይለ ሳሙኤል (ቻይና)፦
  2. ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ነበር ሜጀር ጄነራል ሑመድ መሓመድ (ካሪካሪ)
  3. ኣመሓዳሪ ዞባ ነበር ብሪጋደር ጄነራል ሙሳ ራብዓ
  4. ምኒስተር ጥዕና ነበር ሳልሕ መኪ
  5. ንፕረዚደንት ኢሳይያስ እትነቅፍ “ሃገረይ ኤርትራ” ዘርእስታ መጽሓፍ ድሕሪ ምሕታሙ ተኣሲሩ ኣብ ማሕቡስ ዝዓረፈ ምኒስተር ፋይናንስ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ
  6. ኣብ ለንደን ምስ ዓረፈ፡ ኣብ ኣስመራ ሓመድ ኣዳም ንኸይለብስ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተኸልከለ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ
    ሩስያ ነበር ናይዝጊ ክፍሉ
  7. ሜጀር ጄነራል ኣሕመድ ዑመር መሓመድ ካካይ
  8. ንነዊሕ ዓመታት ደስኪሉ ድሕሪ ምጽናሕ ብሕማም ዝዓረፈ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ነበር አሕመድ ጣህር ባዱሪ
  9. ብሕማም ኮቪድ ዝዓረፈ ጻሓፊ ህግደፍ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ
  10. ንስርዓት ኢሳይያስ ተቓዊሙ ኣብ ስደት ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ እናተቓለሰ ኣብ ኒው ዮርክ ብሕማም ዝዓረፈ ኣባል ጉጅለ 15 ነበር ኣድሓኖም ገብረማርያም
  11. ምኒስተር ማይን መሬትን ነበር ወልደንኪኤል ገብረማርያም
  12. ብ2005 ብሕማም ዝዓረፈ ምኒስር ጉዳያት ወጻኢ ነበር ዓሊ ሰይድ ዓብደላ
  13. ካብ ኢጣልያ ንኤርትራ ተጸዊዑ ምስ ኣተወ፡ ካብ መሳልል ናይ ሓደ ህንጻ ከምዝጸደፈ ዝንገረሉ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ
    ማእከል ነበር ኣምባሳደር ዓንደንኪኤል ካሕሳይ
  14. ብሕማም ዝዓረፈ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ነበር ጄነራል ገረዝግሄር ዓንደማርያም (ውጩ)
  15. ከምኡ እውን ኣምባሳደር መሓመድ ዑስማን ሬዶ እዮም። እዚኦም እቶም ብሞት ዝተፈልዩ ክዀኑ እንከለው፡ 19 ካብቶም 75
    ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ከኣ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ነቲ ስርዓት ስለዝነቐፉን ፍልይ ዝበለ መርገጽን ኣካይዳን ስለዝሓዙን ብዓመጽ ተቐይዶም ተኣሲሮም ዝተሰወሩ እዮም። 11 ካብኦም ኣባላት ናይቶም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ድሕሪ ኵናት ዶባት ኢትዮ ኤርትራ፡ ኣብ 2001 ንዝሓለፈ ጉዕዞና ገምጊምና ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ክንምስርት ኣሎና ስለዝበሉ ብዓመጽ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝኣተው ኰይኖም፦
  16. ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነበር ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)
  17. ምኒስተር ሃብቲ ዓሳ ነበር ጴጥሮስ ሰሎሞን
  18. ኣብ ዝተፈለላየ ሃገራት ኣምባሳደር ኰይኑ ዘገልገለ ሓምድ ሕመድ፦
  19. ሓላፊ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ነበር ጀኔራል ዑቕበ ኣብርሃ፦
  20. ምኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ነበር ማሕሙድ ሸሪፎ
  21. ምኒስተር መጓዓዝያ ነበር ሳልሕ እድሪስ ኬክያ
  22. ምኒስተር ዜና ነበር ዳሕራይ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጀርመን ዝነበረ በራኺ ገብረስላሰ
  23. ኣዛዚ ዑቑር ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ነበር ሜጀር ጄነራል ብርሃነ ገረዝግሄር
  24. ኣመሓዳሪ ዞባን ንኡስ ዞባን ነበር ጀርማኖ ናቲ
  25. ኣብ ምኒስትሪ ምክልኻል ሓላፊ ግብርን ምቁጽጻርን ነበር ብሪጋደር ጄነራል እስቲፋኖስ ስዩም
  26. ኣመሓዳሪት ንኡስ ዞባ ነበር ኣስቴር ፍስሓጽየን ክዀኑ እንከለው ብድሕሪኦም ዝሰዓቡ ከኣ እዞም ዝስዕቡ እዮም።
  27. ኣማሓዳሪ ዞባ ኢብራሂም እድሪስ ቶቲል
  28. ምኒስተር ጸዓት ነበር ኣሕመድ ሓጂ ዓሊ
  29. ኣምባሳደር ኤርምያስ ደበሳይ
  30. ሜጀር ጄነራል ዑመር ሓሰን ጠዊል
  31. ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዓብደላ ጃብር
  32. ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ነበር ሙስጠፋ ኑር ሑሴን
  33. ተጋዳላይ ኣልኣሚን ሸኽ ሳልሕ
  34. ኣብ ናይጄርያ ኣምባሳደር ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ መስራቲ ህዝባዊ ሓይልታት መሓመድ ዓሊ ዑመሩ
    ይርከቡዎም። ብዘይካ እዚኦም እውን ብሰንኪ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኦም፡ ገሊኦም ኣባላት ጉጅለ 15 ክነሶም ኣብ ወጻኢ ብምጽንሖም ካብ ማእሰርቲ ዘምለጡን ድሒሮም ዝሰዓቡን ኣብ ግዳም ኰይኖም ቃልሶም ዝቕጽሉ ዘለው፦
  35. ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኤርትራ ነበር ተጋዳላይ ሃይለ መንቆርዮስ
  36. ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ነበር ቅድም ምኒስተር ምክልኻል ዝነበረ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ፦
  37. ኣብ ዞባ ደቡብ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ነበር ተጋዳላይ መሓመድ ብርሃን ብላታ
  38. ሓላፊ ማሕበር መንእሰያት ነበር ሙሕየዲን ሸንገብ
  39. ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ኣምበሳደር ነበር ተጋዳላይ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊሽ
  40. ከምኡ እውን ኣብ ስደት ኰይና ሰላማዊ ናብራኣ ትመርሕ ዘላ ሓፍትና ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ተጋዳሊት ሂወት ዘምኪኤል
    ይርከቡዎም። እዚኣቶም፡ እቶም ኣብ ንጡፍ ስራሕ ዘየለው ኰይኖም፡ 40 ካብቶም ኣብ ለካቲት 1994 ሃገራዊ ዕማም ዝተሰከሙ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ እዮም። ካብቶም ተሪፎም ዘለው 35 ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ’ኸ ክንደይ ዝኣኽሉ ኣብ ንጡፍ ስራሕ ይርከቡ ክረአ ዝግበኦ እዩ። ንኣብነት
  41. ጄነራል ስብሓት ኤፍረም ኣብ ታሕሳስ 2018 ኣብ መንበሪ ገዝኡ፡ ኣብ ርእሱ ብዘጋጠሞ ናይ ሰደፍ ሽጉጥ ከቢድ ማህረምቲ መልመስቲ ዘስዓበሉ፡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞ ሓደጋን ዝርዝራቱን ኣብ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ዘይተገልጸ ግዳይ “ዘኢይትነገር!” ኰይኑ ለሚሱ ዓዲ ውዒሉ ኣሎ። ካልኦት እውን፦
  42. ምኒስተር ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ነበር ሳልማ ሓሰን ዓሊ በኺት
  43. ነዊሕ ይገብር ንኮሚሽን እስፖርት ዝመርሕ ዝነበረ ኣልኣሚን ሲራጅ
  44. ብሪጋደር ጀኔራል ኣብርሃለይ ክፍለ
  45. ተጋዳሊት ዘምዘም ዓብደላ
  46. ተጋዳሊት ኣልማዝ ልጃም
  47. ኣምበሳደር መሓመድ ዓሊ ጀብራ
  48. ንሓያሎ እዋን ተኣሲራ ዝወጽአት ኣብ ንኡስ ዞባ ደቡብ ኣመሓዳሪት ንኡስ ዞባ ነበር ፋና ተስፋማርያም
  49. ምኒስተር ቱሪዝም ነበር ወርቁ ተስፋሚካኤል ኣብ ንጡፍ መንግስታውን ውድባውን ስራሕ ከምዘየለው እዩ ዝንገር።
    ብዘይከኦም እውን፡ ከም
  50. ምኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ወልደንኪኤል ኣብርሃ
  51. ብሪጋደር ጀኔራል ኣስመሮም ገረዝግሄር
  52. ኣብ ምኒስትሪ ትምህርቲ ዝነጥፍ ዝነበረ ሙሳ ናይብን
  53. ናቲ ኢብራሂምን ብሰንኪ ዕድመን ናይ ጥዕና ጸገምን ኣብ ስራሕ ዓለም የለውን። ብዕድመ እንተመጺእካ ምኒስተር ወልደንኪኤል ልዕሊ 80 ዓመት ገይሩ ኣሎ። ኣስመሮም ገረዝግሄር እውን ናብ 80 ዓመቱ ዝተገማገመ፡ ሙሳ ናይብ ሰብዓታት ዘፋረቐ፡ ናቲ ኢብራሂም ከኣ ስነ አእሙራዊ ጭንቀት ኣጋጢሙዎ ምህላው እዩ ዝፍለጥ። እቶም ኣብ ንጡፍ ስራሕ ኣለው ዝበሃሉ፦
  54. ዶክተር ሃይለ ምሕጹን ሰብዓታት ዘፋረቐ
  55. ሚኒስተር ልኡል ገብረኣብ ሰብዓታት ዝረገጸት
  56. ሓጎስ ገብረሂወት (ኪሻ) ሰብዓታት ዝረገጸ
  57. ኣምባሳደር ማሕሙድ ዓሊ ሕሩይ ናብ ሰብዓታት ዝገማገም
  58. ሜጀር ጄኔራል ሮመዳን ዑስማን ኣውልያይ ሰብዓታት ዘፋረቐ ሽማግለ
  59. ሜጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሴ ሰብዓታት ዝረገጸ ጄነራል፡
  60. ምኒስተር ተስፋይ ገብረስላሰ ሰብዓታት ዘፋረቐ ሽማግለ ምኒስተር
  61. ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ መበል 79 ዓመቱ ዝኸይድ ዘሎ መራሕ ሃገር
  62. ምኒስተር ጥዕና ኣምና ኑር ሑሴን ሰብዓታት ዝረገጸት ምኒስተር
  63. ምኒስተር ፍትሒ ወይዘሮ ፎዝያ ሃሺም ሰብዓታት ዝረገጸት
  64. ምኒስተር ኣስካሉ መንቆርዮስ ሰብዓታት ዝረገጸት
  65. ብሪጋደር ጄነራል ኣብርሃ ካሳ ሰብዓታት ዝረገጸ
  66. ዑስማን መሓመድ ዑመር
  67. ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ መሓመድ ሰብዓታት ዝረገጸ
  68. ሓላፊ ምርምርን ስነዳን ኣቶ ዘምህረት ዮውሃንስ
  69. ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብረኣብ
  70. ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ዮሱፍ ሳይቕ
  71. ምኒስተር ዶር ጊዮርጊስ ተኽለሚካኤል ሰብዓታት ዘፋረቐ
  72. ጠቕላሊ እስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጄነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ
  73. ገዲም ተጋዳሊት ዛህራ ጃብር ሰብዓታት ዘፋረቐት ኣደ
  74. ኣምባሳደር ዒሳ አሕመድ ዒሳ
  75. ኣቶ ብርሃነ ዘርአ ጣውላ፡

    ዳርጋ ኩሎም ሰብዓታት ዘፋረቑን ናብ ሰብዓታት ዝተገማገሙን እዮም። ነዚ ክውንነት’ዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ህግደፍ ሎሚ ዘይኰነ ቅድሚ 25 ዓመታት’ዩ ውድባዊ ጉባኤ ዓዲሙ መራሕቱ ክትክእን ሰብ ራኢ መንእሰያት ንቕድሚት ከምጽእን ዝግበኦ ነይሩ። እቲ ፖለቲካዊ መሰላት ዜጋታት ነፊጉ፡ ንኤርትራ ብሓደ ሰልፋዊ ስርዓት ጥራሕ ከምእትመሓደር ብምግባር፡ ንኤርትራና ዝረመሰ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ጉዕዝኡ ኣድላይ ገምጋምን ምምሕያሽን ብምግባር ዝኣረገ መሪሕነቱ፡ ብዘይ ውዓል ሕደር ክቕይርን ናይ ስልጣን ምትኽኻእ ክገብርን ይግበኦ ነይሩ።

    እቲ ንኣስታት 50 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ንኤርትራ ብምልኪ ዝረመሳ፡ ብዕድመ ዝደፍአ ሽማግለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ እውን ቅድሚ ዝኣገረ ነቲ ከምኡ ዕድመ ደፊኡን ሸምጊሉን ኣሪጉን ዘሎ ናይ መዛንኡ መሪሕነት ብሓዲሽ ሓይሊ፡ ሓዲሽ ደም፡ ሓዲሽ መንፈስ ከይተክአ ዕድመ ግዝኣቱ ይዓርብ ኣሎ።

    እትረፍ ሎሚ፡ ነቶም እንተዓበዩ ኣብ መፋርቕ ኣርብዓታት ዝነበሩ ሰውራ መሪሖም ዝኣተው ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ፡ መሽሚሾም እዮም፤ ነዚ ሓዲሽ ዕማም ውዑይ ደም እዩ ዘድልዮ ብምባል ኣብ 90ታት መሪሕነት ዝቐየረ ኢሳይያስ፡ ሕጂ ግዳ ድሕሪ 34 ዓመታት ኣካላውን አእምሮኣውን ሽምግልና ተደሪቡዎ ንኤርትራ ከመይ ሓዲሽ ደምን ሓዲሽ አእምሮን ዘለዎ መሪሕነት ዘየድልያ።

    ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን ኢሳይያስ ንኤርትራ ካብ ጽባሕ ናጽነት ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ቀጻሊ ኵናት ጸሚ፡ ንህዝባን ቁጠባኣ ስለዝረመሶ፡ ክብርን ተቐባልነትን እቲ ናጽነት ዘረጋገጸ ወለዶ ገድሊ ተበሊሉ ኣሎ። ስለዝዀነ እቶም ብመንግስቲ ኣቦታቶምን ኣያታቶምን፡ ኣብ ግዱድ ዕስክርና ዝተጸምዱ፡ ብምሕደራ ምልኪ ዝተዳህኩ፡ ዝተበደሉ፡ ዝተሳጐጉ፡ ዝተበተኑ፡ ዝተሰዱ፡ መንእሰያት ኤርትራ፡ ወለዶምን አሕዋቶምን ንዘባኸንናዮ ግዜ ከምልሱን መጻኢኦም ክቕልሱን ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣለዎም። ኣብ ዑና እቲ ኣረጊት ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ዝበቅዕ፡ ንራኢታቱ ዘርትዕ፡ ምድረ ባሕሩ ዘልምዕ መንግስቲ ክሃንጹ ግዜ ይጽውዖም ኣሎ።

    ከም ንቡር ህግደፍ ጉባኤ ክዕድም ምስ ዝደሊ ፈለማ ኣሰናዳኢት ጉባኤ መዚዙ እቲ ክግበር ዝግበኦ ብቓልዕ ምገበረ። እቲ ዝግበር ጉባኤ ኣብ ባይታ እምበር ኣብ ጠፈር ወይ ትሕቲ መሬት ኣይኰነን። ተሓቢኡን ተኸዊሉን ዝገብረሉ ምኽንያት እውን የብሉን።

    ግን ከኣ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ዝተፈጸመ ገበናት፡ ሞትን ቅትለትን፡ ማእሰርትን ሽርበትን፡ ኲናትን ስደትን ሓላፍነት ክስከመሉ ስለዘይደሊ ጉባኤ ከካይድ ትብዓት ኣይገበረን። ኢሳይያስ፡ እትረፍ ሎሚ ዝእሰር ኣሲሩ፡ ዝስወር ሰዊሩ ሃገር ምስ ኣምከነ፡ እቶም ኣርካናት ቃልሲ ገዳይም ተቓለስቲ ምስ ውዑይ ደሞም እንከለው እውን ምልካዊ ባህሪኡ ኣይገደፎን።

    ኣብቲ ዝግበር ጉባኤ፡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንኣብርሃም ወዱን ዝኣምኖም መዛንኡን ስልጣን ንምስግጋር ይሰርሕ ከምዘሎ እውን ይዝረብ እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዘለዎ ፍጹም ንዕቀት ዘግህድን ዘረድእን እዩ።

    ህዝቢ ኤርትራ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዘዝሸወቱ ደቁ ኣብ ቀጻሊ ኵናት እናገበረ ደም ነቢዑ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ “መንግስቲ ደቀይ!” ኢሉ ብዝኣመኖ ስርዓት ተጠሊሙ፡ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ከስተንፍስ ከምዘይክእል ኰይኑ ተዓፊኑ እዩ። ምሕደራ ምልክን ግዱድ ዕስክርናን መሪሩዎም፡ ነብሶም ከውጽእ ዝፈተኑ ደቁ፡ ኣብ ዶባት ሃገሮም ብጥይት ካብ ዝርሸኑ ኣምሳያ ዝኣደሙ ደቅኹም ተባሂሎም ኣብ ደምበ ዝተዘርዑ ዝተዋረዱ ዝተገፍዑ ንብረቶም ዝተመንዝዑ ኤርትራውያን ስልጣን ምልኪ ናብ ምልኪ ክሰጋገር ከፍቅዱ ኣይክእሉን እዮም።

    ኤርትራ በቲ ክዀኖ ዝግበኦ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ ስግግር እንተተመሪሓ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብምሉእ ናጽነት ይምእምኣኒ እዩ ንዝብሎ ሰብ ክመርጽ መሰል እንተረኺቡ፡ ኣብርሃም ይኹን ንዕኡ ዝመስል ሰብ ናብ ስልጣን ከምጽእ ይኽእል እዩ። ኣብርሃም ውላድ ናይቲ ንኤርትራ ትሕቲ ምድሪ ዘስፈራ፡ ዝረመሳ ዝደምሰሳ መንእሰያታ ዘባረረ፡ ኣርካናታ ኣብ ፈቐዶ ጐዳጉዲ ዝሰወረ፡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምዃኑ ብሓጢኣት ናይ ወላዲኡ ክዅነን ኣይግባእን እዩ። ኣብርሃም ኰነ አሕዋቱን ወላዲቱን፡ ኣኰታቱ ኰነ ሓዎቦታቱ፡ ምስቲ ንኤርትራ ብምልኪ ዝረመሳ መራሒ፡ ናይ ስጋ ዝምድና ስለዘለዎም ጥራሕ ክንጸጉ ፍትሓዊ ኣይኰነን።

    ነብሲ ወከፍ ንኢሳይያስ ብስጋን መውስቦን ዝብጸሖ ሰብ፡ ብግብሩን ስርሑን ጥራሕ እዩ ክፍረድ ዘለዎ። ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ዝፈጸሞ በደል እንተልዩ ከኣ ኣብ ናጻ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ክሕተት ቃለ እምነቱ ተሰሚዑ፡ ናይ እምነትን ክሕደትን ቃል ተነቢቡ፡ በደለኛ ኰይኑ እንተተረኺቡ ጥራሕ እዩ ቤት ፍርዲ ዝወሰነሉ ርትዓዊ ብይን ክቕበል ዝግበኦ።

    ካብኡ ተረፈ ግን፡ ንሕነ ብሕነ፡ ንበደል ብበደል ምፍዳይ፡ ኣብ ቅዋማዊት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ደቅናን መንእሰያትናን ክረአ ንጽበዮ ኣይኰነን። ኢሳይያስን ወለዱኡን ጥራሕ ዘይኰነ ንማንም ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መራሒ ውሉዳቱን መቕርቡን ኣምሳይኡ ክውንጀሉን ክብደሉን ኣይግባእን እዩ።

    ኢሳይያስ ከም ዝዀኑ መሰልቱ መለኽቲ፡ እንተዀይኑሉ ንወዱ ስልጣን ከረክብ ይደሊ ይኸውን። ኣብርሃም ግን ብቅዋማዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ብዝትግበር ሕጋዊ ምርጫ እምበር፡ ብውርሻ ወላዲኡ ናብ ስልጣን ክመጽእ ኣይግባእን እዩ። ህዝቢ
    ኤርትራ እውን ከፍቅድ ኣይኰነን። ኢሳይያስ ብምልኪ ሃገር ካብ ዝራስን ዝርምስን ነዊሕ ኰይኑ እዩ። ህግደፍ ከኣ ሕጋዊ ስልጣኑ ካብ ዘብቅዕ ብውሕዱ 25 ዓመታት አሕሊፉ ኣሎ። ካብኡ ንደሓር እዚ ጉጅለ እዚ ብዓመጽን ምልክን ብሓይሊ ጠበንጃ እዩ ስልጣን ሒዙ ዘሎ። ከምኡ ስለዝዀነ ከኣ፡ ነቲ ዝጸንሐ ትካላት ንባይቶን ካቢነን ኣልሚሱ ኣፍሪሱዎ እዩ። ድሕሪ 1994 ህግደፍ ከም ውድብ ተጋቢኡ ኣይፈልጥን እዩ። መራሕቱ እውን ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ብሞትን ማእሰርትን፡ ስደትን፡ ሕማምን እርጋንን ተጓዲሎም እዮም። ስለዝዀነ፡ ኤርትራ ሓዲሽ ደሞክራሲያዊ ጉዕዞ ይጽበያ ኣሎ።

    ንምዃኑ’ኸ ስለምንታይ እዩ ኣብርሃም ወላዲኡ ዝዘረጐ ዕያግ ከጽሪ፡ ወላዲኡ ዝሓምተዀ ምሕደራ ከዐሪ፡ መንግስቲ ኣቡኡ ዘጋዕዘዮ ርስሓት ክጸርግ ዝሕተት ዘሎ። እንታይ ዝበደለ መንእሰይ እዩ ኣብ ዘይፈልጦ ሓጢኣትን ደምን ክቆማጣዕ ዝድለ ዘሎ? ንሱ’ኸ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕምትኽትኽ ስልጣን ክርከብ ድላይን ዓቕምን ኣለዎ ድዩ? እዚ ሕቶ’ዚ ኣብርሃም ንባዕሉ እውን ዘሰላስሎ ጉዳይ ይመስለኒ።

    እቲ ዀይኒ እዚ ግን ድሕሪ ኢሳይያስ፡ እትረፍ ኣብርሃም፡ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ እኹል ተመኩሮ ዘይብሉ መንእሰይ፡ ዝዀነ ስልጣን ዝርከብ ምኩር ፖለቲከኛ እውን እንተዀነ ዓቢ ብደሆን ሓላፍነትን ከምዘጋጥሞ ዝሰሓት ኣይኰነን። ምኽንያቱ፡ ኣብቲ ጨካን ምልካዊ ምሕደራ 30 ዓመታት፡ ንዝተበላሸወ ኩሉ ከተት ህይወት ንምዕራይ፡ ሓያል ጻዕርን ኒያትን ከድሊ እዩ። ነዚ ግዕዘይ ምልኪ ጸሪግካ ኣብ ዑንኡ ሓዲሽ ደሞክራሲያዊ ሓቛፊ ስርዓት ንምምስራት ተረከብቲ ሕድሪ መንእሰያት ወለዶ፡ ሓላፍነት ክወስድሉ ዘለዎም ታሪኻዊ ግዴታ እዩ። እቲ ዕማምን ሓላፍነትን ከኣ ኣብ ዝባን ሰብ እዋን መንእሰያት’ዩ ዝወድቕ። እቲ ግዜ ከኣ ኣኺሉ እዩ!! ነቲ ራእይ እቲ ከውን ንምግባር ከኣ ኩሉ ዓቕምታትካ ኣወሃሂድካ ዓቲብካን ረጊእካን ክስራሕ ይግባእ።

    ግዱሳት ደለይቲ ፍትሒ – ለንደን!

Political Analysis

spot_img

Latest Articles