8.3 C
London
Sunday, March 9, 2025
spot_img

ዝኽሪ 35 ዓመታት ስርሒት ፈንቅል! – ሓተታ ደሃይ ኤርትራ

ነብሲ ወከፍ ዕለት ዓውደ ኣዋርሕ ቃልሲ ኤርትራ፡ ካብ ንግሆ ክሳብ ምሸት፡ ካብ ሰኑይ ክሳብ ሰንበት፡ ካብ ጥሪ ክሳብ ታሕሳስ፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ወቕቲ፡ ካብ ሓጋይ ክሳብ ክረምቲ ፍሉይ ዝኽርን ክብርን ኣለዋ። ነብሲ ወከፍ ተጋዳላይን ህዝብን ከኣ፡ ኣብቲ ሰሌዳ ግዜ ዝስኳዕ በቲ ሚዛን ዝልካዕ ኣዘንቲኻ ዘይውዳእ ዝኽርን ትዝታን ኣለዎ።
ቅድሚ 35 ዓመት ልክዕ ከምዚ እዋን፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ኣባል ናይቲ ካብ ድፍዓት ሰንሒትን ሳሕልን ንነዊሕ ሰዓታት ገሊኡ ንመዓልታት ተጓዒዙ ናብ ምድረ ሰምሃር ዝወፈረ ሰራዊት ሓርነት’የ ነይረ። እቲ ንዓመታት ካብ ዝዓረደሉ መዛግብ ወጺኡ ምስ ከቢድን ፈኲስን ኣጸዋሩ ኣብ ሰምሃር ዝተኣኻኸበ ሓይሊ፡ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ምናልባት እውን ገለ ሰዓታት ኣብ ከቢድ ውግኣት ስለዝጽመድ ኩሉ ኣብ ጽዑቕ ምሽብሻብ’ዩ ነይሩ።
ወተሃደር፡ ብፍላይ ከኣ ተጋዳላይ፡ መዓስ እንታይ የጋጥሞ፡ መዓስ ናበይ ይብገስ ስለዘይፈልጥ፡ ወትሩ፡ ብረቱ ወላዊሉ፡ ዕጥቁ ኣደላዲሉ፡ ነጸልኡ ጠቕሊሉ ኣብ ተጠንቀቕ እዩ ዝነብር። ምድረ ሰምሃር ካብ ዝረገጽናሉ ሳልስቲ ኣትሒዝና ከኣ ኣብ ሓያል ምድላው ተጸሚድና ነይርና።
እቲ ታንክታትን ከበድቲ መዳፍዕን ዝተሓወሶ ጽዑቕ ናይ ሰራዊት ምንቅስቓስ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ሓያል መጥቃዕቲ ከምዘሎ ዘረድእ እዩ። ይኹን እምበር፡ ክሳብ ናይ ዜሮ ሰዓት ዝቀራረብን ናበይ ምዃንካ እትንገርን ክትግምት ጥራሕ ኢኻ ትኽእል። ብጻዕቂ ምንቅስቓስ ሰራዊትን ኣጽዋርን ብጂኦግራፊያዊ ቅርበትን ግን ባጽዕ ካብ ግምትና ርሕቕቲ ኣይነበረትን።
ኣብ ድሮ እቲ ኵናት፡ እቶም ንዓመታት ብሓባር ዝዓስከሩ፡ ኣብ መስርሕ ብፍቕሪ ዝተጥመሩ፡ ከም ደቂ ሓንቲ ስድራ ዝነብሩ ብጾትን፡ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ሃንደበት ኣብቲ ጉዕዞ ዝራኸቡ ደቂ ሓንቲ ማህጸን አሕዋት፡ ዓወት እምበር ጸሓይ ጽባሕ ክርእዩ ስለዘይሓስቡ፡ “ አእዳዎም ክብ ኣቢሎም ዓወት ንሓፋሽ!” እናተበሃሃሉ እዮም ናብ ሸቶታቶም ዝግስግሱ።
ኣነ እውን ከምኡ እየ ገይረ፡ ኣብ ከባቢ ዒን ምስ ሕጽይተይ/መዛምድተይ፡ ኣብ ዒላዒሮ ምስ ንእሽቶ ሓወይ፡ “ ኣብ ዓወት!” ተበሃሂልና፡ ናብ ውግእ ፈንቅል ኣቲና።
ኣጋጣሚ ኰይኑ ከኣ፡ ስውእ ሓወይ ኣብ ጐቦታት ሰሜናዊ ባሕሪ፡ ናይ ሽዑ ሕጽይተይ ናይ ሕጂ በዓልቲ ቤተይ ኣብ ከባቢ ደንጎሎ፡ ኣነ ከኣ ኣብ ግንባር ጊንዳዕ ተወጊእና፡ ካብ ብሱል ጥረ ወጺእና፡ ኣብቲ ንዓወት ፈንቅል ዝፈሰሰ ውሕጅ ደም እጃምና ጸምቢርና።

እዚ ናትና ኣበርክቶ ኣብቲ ንናጽነት ኤርትራ ዝተኸፍለ ክቡር ዋጋ እቲ ዝወሓደን ዝነኣሰን እዩ። ስድራ ቤታት ኤርትራ ዝኸፈለኦ ክቡር ዋጋ ግን መዘና የብሉን። ነብሲ ወከፍ ስድራ ቤት፡ ወዳ ወይ ጓላ፡ ሓዋ ወይ ሓፍታ፡ ሓወቦኣ ሓትነኣ፡ ኣሞኣ ኣኮኣ፡ ኣቦኣን ኣዲኣን ከፊላ እያ። ኤርትራዊት ኣደ፡ ደቃን ኣሚናን ኣሰሊፋ ከተብቅዕ፡ ሓበሬታ ጸላኢ ክትምእርር ቀቅድሚኦም፡ እኽለ ማይ ከተስንቕ እግሪ እግሮም እናሰዓበት ኣብ ኩሉ ጽንኩር ኩነታት ተሳቲፋ፤ ደምያን ተሰዊኣን እያ። ስለዚ ከኣ እዩ እቲ ደምን ረሃጽን፡ ቃንዛን ስቓይን ዝተኸፍሎ ናጽነት ኤርትራ ከቢድ ሓላፍነትን ሕድርን ዘሰክመና።
እቲ ንናጽነት ዝተኸፍለ መሪር ተጋድሎን ረዚን ዋጋን፡ ዋላ እውን ካብ ባሕሪ ብጭልፋ እንተዀነ ንዝሓለፈ 35 ዓመታት ክደጋገም ሰሚዕናዮ ኣለና። እቲ ሕጂ እንሓቶ እምበኣር፡ እቶም ጀጋኑና ዘይትካእ ክቡር ህይወቶም ዝበጀውሉ ዕላማን መብጽዓ ተተግቢሩ’ዶ ኣይተተግበረን? እቶም ሰነ መጽአ ብሽምዓን መደረን እንዝክሮም ሰማእታትና ዘሰከሙና ሕድሪ ፈጺምና’ዶ ኣይፈጸምናን ዝብል እዩ?
እዛ መበል 35 ዓመት ሓርነታ ዝበዓል ዘሎ ወደባዊት ምጭውቲ ከተማና ምጽዋዕ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣላ? ምዕባሌኣ ከመይ ኣሎ? ካብ 1990 ክሳብ 2025 ብኽንደይ ሚእታዊት ዓብያን ሰፊሓን? ህዝባ’ኸ ብኽንደይ ሚእታዊት ወሲኹን ሰሲኑን? ትሕተ ቅርጻን ኣባይታን ከመይ ኣሎ? ንዝብል ሕቶ ክንፍትሽ ግዴታ እዩ።
ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ነዚ ዝተጠቕሰ ሕቶታት ዝምልስ ብመንግስቲ ዝዋሃብ ዝተማልአ ሓበሬታ የሎን። ናይ ብሓቂ ዕቤትን ምዕባለን እንተዝህሉ ከኣ እቲ ስርዓት ብስእልን ቪድዮን ቀደም ምነገረና። ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ናብታ ከተማ ዝበጽሑ ናይ ግዳም ጋዜጠኛታት ኣብ ዝዘርግሑዎ ቪድዮ ግን፡ ምጽዋዕ ምርኣይ ምግጋይ ኰይና፡ ካብቲ ኣብ እዋን ውግእ ዘጋጠማ ማህሰይቲ ብዝኸፍእ ተደዊና ስለዝረኣናያ ነቢዕናላ ኢና።

ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ፡ ናብ ሻርም ኣል ሼኽ ግብጺ ክበጽሕ ዕድል ረኺበ ነይረ። ሻርም ኤል ሸኽ ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ሓውሲ ደሴት ሲናይ ግብጺ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ፡ ኣብ ዝሓለፈ 60 ዓመታት ካብ ንእሽቶ ናይ ገፈፍቲ ዓሳ ቑሸት ብዓለም ደረጃ ናብ እትፍለጥ ናይ ቱሪዝም ማእከል ዝዓበየት ንእሽቶ ከተማ እያ።
ዝዀነ ኤርትራዊ ኣብ ዝገሾ ገይሹ ንዝርእዮ ምዕባለን ትሕተ ቅርጽን “ እዝስ ኣብ ሃገርና ክኸውን ነይሩዎ! ጥዑይ ምሕደራን መንግስትን እንተዝህልወና ኣብ ሓጺር እዋን ምገበርናዮ!” ብምባል ብዛዕባ ሃገሩን ህዝቡን እዩ ዝሓስብ።
ኣነ እውን ብዝኽሪ ስርሒት ፈንቅልን ሓርነት ከተማ ምጽዋዕን እናስተንተንኩ፡ በቲ ኣብ ዓድና ዝተኸስረ ዕድላት አስተንትን ነበርኩ።
እቲ ዝገሽኩሉ እዋን ናይ ቱሩዚም ወቕቲ እኳ እንተዘይኰነ፡ ኣብታ ከተማ ገያሾ ሒዘን ዝዓልባን ዝበራን ነፈርትን ካብ ኤየር ፖርት ናብቲ ኣሽሓት ሆቴላት ገያሾ ዘመላልሳ ዓበይትን ናእሽቱን ኣውቶቡሳት እናረአኹ ብውሽጠይ አስተንትን ነበርኩ። ጽዑቕ ምንቅስቓስ ናይ ገያሾ እዩ ዘለዋ።
እዛ ኣብ ሰብዓታት፡ ናይ ገፈፍቲ ዓሳ ንእሽቶ ቑሸት ዝነበረት ዓዲ፡ ኣብ 1967 ኣብ መንጐ ግብጽን እስራኤልን ብዝተኻየደ ውግእ ኣብ ኢድ እስራኤል ወዲቓ ድሕሪ ምጽናሕ፡ኣብ 1982 ከኣ ብስምምዕ ሰላም ናብ ግብጺ ምስ ተመልሰት፡ ሽዑ ፕረዚደንት ግብጺ ነበር ሑስኒ ሙባረክ ንቱሪዙም ዘተባብዕ ናይ ወጻኢ ወፍሪ ኣዊጁ፡ መሳጊድን ኣብያተ ክርስትያናትን ዝርከቦ ምዕቡል ትሕተ ቅርጺ ብምህናጽ ቀንዲ መስሕብ ቱሪዙም ከምእትኸውን ገይሩዋ።
ናይ 2023 ቆጸራ ከምዘመልክቶ ብዝሒ ህዝቢ እታ ከተማ ኣስታት 13,000 እዩ። ዓመታዊ እቶታ ከኣ ኣስታት 3.7 ቢልዮን ዶላር እዩ።
እተን ኣብ 1982 ብቑጽሪ ሰለስተ ጥራይ ዝነበራ መዘናግዒ ቦታታት ኣብ 2000 ተስዓን ሓደን በጺሐን። ብዝሒ ገያሾ ከኣ፡ ዓመታዊ፡ ካብ ዓሰርተ ሽዱሽተ ሽሕ ኣብቲ እዋን፡ ናብ 5.1 ሚልዮን በጺሑ’ሎ። ኣብ ርእሲኡ እታ ከተማ ኣገደስቲ ዋዕላታት ሰላም ማእከላይ ምብራቕን ኣህጉራዊ ኣኼባታትን ዝካየደላ ኰይና ኣላ።
ኣብ መፋርቕ 1996፡ ኣብ ገርጉሱም፡ ብወዲ ቫካሮን ሽርክነት ህግደፍን (እቲ ውዑል ብውሽጢ ውሽጢ ስለዝግበር ሽዑ’ኳ ንፈልጥ ኣይነበርናን) እትውነን ውሑድ ክፍልታት ዘለዋ መዓርፎ ኣጋይሽ ብሮሞዳን መሓመድ ኑር ተመሪቓ ስርሓ ከምዝጀመረት ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ጽሑፈዮ ነይረ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ካብ ወጻኢ ዝመጽኡ ዘዘራረብኩዎም ኤርትራውያን ኣብ ዝቕጽል ዓመታት ኣብቲ ሰፊሕ ገማግም ባሕሪ ብኣማኢት ዝቑጸራ ሆቴላትን መዘናግዒ ማእከላትን ከምዝህነጻ ትምኒቶም ከካፍሉኒ ይዝከረኒ።
ሓቂ ይሓይሽ ሽዑ፡ ዋላ እኳ ኣብ ትምህርቲ፡ “ ቱሪዝም ትኪ ኣልቦ ኢንዱስትሪ” ምዃኑን፡ ኣብ ከባቢና ዝርከባ ከም ኬንያ ዝኣመሰላ ሃገራት ብዙሕ ኣታዊ ከምዝረኽባሉ እንተተማሃርኩ፡ ዳሕራይ ኣብ ስደት ምስ ሰፈርኩን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምስ ገሽኩን እየ ጠቕምን ረብሓን ቱሪዝም ብዕምቆት ተረዲኡኒ።
ስለዝዀነ ከኣ እየ በቲ ኣብ ሻርም ሼክ ዝረኣኹዎ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ሃገረይ ውሑድ ካብኡ ዘይምህላው ብሓዘን ዘስተንተንኩ።
ግን ኣብ ጽባሕ ሕልፈት እዚ ምልካዊ ስርዓት እቲ ሕጂ ብፍላጥ ባዲሙ ዘሎ ገማግም ባሕርና ለሚዑ ህዝብና ተጠቃሚ ሃብቱን ጸጋታቱን ዝዀነሉ እዋን ርሑቕ ዘይምዃኑ እናስተንተንኩ ብሓሳብ ናብታ ኣብ ሓርነታ ዝተሳተፍኩ፤ ክሃንጻን ከበልጽጋን ምዃነይ ብግጥምታተይ ቃል ዝኣተኹላ ዝባደመት ከተማ ምጽዋዕ ገይሸ፡ “ ኣጆኺ እዚ ናይ ሕጂ ጸልማት ክወግሕ እዩ። እዚ ምልካዊ ስርዓት ከኣ ምስ መሓውራቱ ክጽረግ እዩ!” እዚ ሕድርን መብጽዓን ጠሊሙ ብምልኪ ሃገር ዝርምስ ዘሎ ስርዓት ከኣ ካብዚ ንላዕሊ ንኤርትራ ከድምያን ከንብዓን ክንፈቅድ የብልናን፡ በልኩ ብልበይ! ምልክን መሓውራቱን ተሳዒሩ ኤርትራና ምሉእ ናጽነትን ሓርነትን እትጐናጸፈሉ ግዜ ከኣ ርሑቕ ኣይክኸውንን እዩ።

Political Analysis

spot_img

Latest Articles