ትማሊ 20 መጋቢት ንባይቶ ሃገሩ፡ ኢትዮጵያ ንቐይሕ ባሕሪ ክትብል ከምዘይትዋጋእ ንህዝብን መንግስትን ኤርትራ ኣብ ቅደሜኹም የረጋግጸሉ ድሕሪ ምባሉ፡ ብዛዕባ እቲ ንኤርትራ ዝበሎ ሓፈሻዊ መደረ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣዘራረቢ ጉዳይ ኰይኑ ኣሎ።
ንዝሓለፈ 27 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ስርዓት ኢሂወደግ ዋላ እውን ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዶብ ብዝተሳበበ ፖለቲካዊ ህልኽን ውድድርን መራሕተን ኢሳይያስን መለስን ሻዕቢያን ህወሓትን ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ከቢድ ውግእ፡ ፖለቲከኛታት ኢሂወደግ ንጉዳይ ባሕርን ዓሰብን ልዑላዊ ግዝኣት ኤርትራ ምዃኑ ክሒዶም ኣይፈልጡን
ኣቢይ ግን፡ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ምስ ኢሳይያስ ምስ ተዃረየ፡ ኢትዮጵያ፡ ብጂኦግራፊ፡ ብዲሞግራፊ፡ ብባህሊ፡ ብታሪኽ ብዘለዋ ብዝሒ ህዝብን ቁጠባዊ ዕቤትን ናይ ባሕሪ ዋንነት ይግበኣ እዩ። ክብል ነቲ ትማል ኣብ ባይቶ ሃገሩ ኣብ ሕብረተሰብ ዓለም ኣጀንዳ ገይርናዮ ኢና፤ ድሕሪ ደጊም ዓለም ትስማዕ፤ ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ ምዝራብ ነውርነቱ ኣብቂዑ’ዩ፡ ቀይሕ ባሕሪ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ናይ ሞትን ሕየትን ጉዳይ እዩ። “ እንተተኻኢሉ ብሰላማዊ መገዲ፡ ብዘተን ዝርርብን፡ ብእንካን ሃባ እንተዘይተኻኢሉ ግን ብውልቀ ሰባት ዝውነን ኩባንያታት እኳ ንማርስ እናቋመተ ንሕና ግዳ ኣብ 50 60 ኪሎ ሜተር ንዘሎ ባሕሪ ዘይንትንክፈሉን ዘይንሓልመሉን እንታይ ምኽንያት ክህሉ ይኽእል” ክብል ናይ ታህዲድ ዝመስል ቃና ተዛሪቡ።
ናይ ግዝኣትን ምስፍሕፋሕን ጥሙሕ ስርዓታት ኢትዮጵያ፡ ናይ ሃይለስላሰን ደርግን ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘውረዱዎ ከቢድ ሃስያን ዕንወትን እናሃለወ፡ ድሕሪ እቲ ኩሉ ትምህርትን ተመኩሮን ሕጂ “ እንተተኻኢሉ ብሰላም እንተዘይኰይኑ ግን ደቅናን ደቂ ደቅናን ክገብሩዎ እዮም!” ዝብል ዘረባ ንባዕሉ ካብ ወራርን ጽልኢ ምዝራእን ፈሊኻ ኣይረአን እዩ ይብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ዞባ።
ርግጽ እዩ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ምስተን ዓለም ለኻዊ ሕጊ ብዘፍቅዶን ብዝድንግጎን ሕጊ ምስተን ኣፍ ደገ ባሕሪ ዘለወን ሃገራት ብምርድዳእን ዝግባእ ታሪፍ ከፊላ ንእታውን ሰደድን ንግዳዊ ንጥፈታታ ከም መተሓላለፊ ክትጥቀም ሕጊ የፍቅደላ እዩ።
ኢትዮጵያ እውን ብዓሰብ ይኹን ብባጽዕ፡ ብጂቡቲ ይኹን በርበራ ወይ ፖርት ሱዳን ምስ ዕቤታን ስፍሓታን በብቲ ዝቐርባን ዝምእምኣን ወደባት ክትጥቀም ምሉእ መሰል ኣለዋ። ንዋንነት ብዝምልከት ግን ባህልን ታሪኽን፡ ቅርበትን ርሕቀትን፡ ብዝሒ ህዝብን ጂኦግራፍን ብምጥቃስ ዝርከብ ከምዘየለ እቶም ንዓለማዊ ሕጊ ኣዳቒቐም ዝፈልጡ ኢትዮጵያውያን ምሁራት አሕዋት ንህዝቦም ከረድኡን ጽልእን ምርሕሓቕን ዝፈጥር ቃናን ቋንቋን ክዝራእ ስቕ ኢሎም ክዕዘቡ የብሎምን ዝበሉ ኤርትራውያን ተንተንቲ ፖለቲካ፡ መንግስቲ ኤርትራ እውን ነቲ ብምንታይ ምኽንያት ከምዝተቛረጸ ዘይተነግረናን ዘይንፈልጦን ኣብ 2018፡ ወደባት ዓሰብን ባጽዕን ኣብ ሓጺር ግዜ ኣገልግሎት ከምዝጅምር ብምብጻሕ መርከብ መቐለ ንምጽዋዕ ዝተነግረና ዜና ብዘተን ልዝብን ብመንፈስ ዕርቅን ሕውነትን ዝሕደሱለን እዚ መኺኑ ዘሎ ወደባትን ገማግም ባሕርን ኤርትራ ዝለምዓሉን መደባት ክውጥን መዘኻኸሪ ኣቕሪቦም።
