ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ነቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ “ ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ናይ ህላዌ ሕቶ’ዩ!” ብምባል ንኤርትራን ባሕራን ዝምልከት ንባይቶ ሃገሩ ዝሃቦ መደረን ትንተናን “ቦታኡ ዝሰሓተ ትሕዝቶ ዘይብሉ ጓንጓ ምግናን” ክብል ኣብ ኤክስ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ ምላሽ ሂቡ።
ኣፍደገ ባሕሪ ዘይምውናን ከም ናይ ‘ህልውና ስግኣት’ ጌርካ ምውሳድ “ሓደገኛ ሃቐነ” እዩ ብምባል፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣፍ ደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር ብኹለን ጐረባብቲ ሃገራት ዝተወሃሃደን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕን ተጻባኢ ምርጋጥ ሓይሊ ባሕሪ እንተ ተፈጺሙ ጥራይ ናይ ህላወ ስግኣት ክፈጥር ዝኽእል ክብል ኣረዲኡ።
እቲ መግለጺ”ብትሕዝትኡ ሓደገኛን፡ ንጥዑይ ክልተኣዊ ርክብ ይኹን ነቲ ኣብ ሕዱራት ክብርታትን ዓለምለኻዊ ሕጊን ዝተመስረተ ዞባዊ ምትሕግጋዝ ዝጻረር’ዩ” ክብል ነቒፉዎ።
ኤርትራ፡ ቅድሚኡ እውን እቲ ብሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ክወሃብ ዝጸንሐን ዝቕጽል ዘሎን መግለጺታት ንምምካት፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ብሰሉስ ኣብ ኣስመራ ንዝርከቡ ኣምባሳደራትን ወከልቲን ሃገራት ወጻኢን፡ ብወገን ኢትዮጵያ ዝወሃብ ዘሎ “ብዲፕሎማሲ ይኹን ብወተሃደራዊ ሓይሊ” ኣፍደገ ባሕሪን መዓስከር ሓይሊ ባሕርን ናይ ምርካብ “ግጉይ” ሸውሃት ንሃገሩ ከምዘቖጥዓ ብምግላጽ ማሕበረ ሰብ ዓለም “ኢትዮጵያ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጎረባብታ ከተኽብር ማሕበረሰብ ዓለምን ኣገደስቲ ኣካላቱን ጸቕጢ ክገብሩላ ምምሕጻኑ ይዝከር።




