ሰራዊት ሱዳን፡ ብ16 መጋቢት ዝጀመሮ መጥቃዕቲ ብምቕጻል ኣብ ምብራቓዊ ካርቱም ምስ ዝነበረ ማእከላይ እዚ ተኣሳሲሩ ናብ ሰሜንን ምብራቕን ክንፍታት ብምግስጋስ ሎሚ ንቤተ መንግስቲ ፕረዚደንት ከምዝተቖጻጸረ ኣፍሊጡ።
ሰራዊት ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ኵናት ሓድሕድ ኣብ ዝተጀመረሉ ሚያዝያ 2023 ንቤተ መንግስትን መብዛሕትኡ ርእሰ ከተማ ካርቱምን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ አእትዩ ድሕሪ ምእታዉ፡ ዝበዝሕ ክፋሉ ኣብ ኢዶም እዩ ጸኒሑ።
ክልተኦም ወገናት፡ ብመዳፍዕ፡ ሰብ-ኣልቦ ነፈርትን ድሩዓት መካይንን ከይተረፈ እዮም ክዋግኡ ጸኒሖምን ዘለውን።
ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ካብ ደቡባዊ ካርቱም ረዳት ከእቱ ፈቲኑ እኳ እንተ ነበረ እቲ መስመር ኣብ ሻምብቆታት ብረት ኣየርን መዳፍዕን ሰራዊት ሱዳን ስለዝኣተወ ስለዘይቀንዖ ነቲ ከበባ ፈንጢሱ ንምውጻእ ዳርጋ ነብሰ-ቅትለታዊ ፈተነ ከም ዘካየደ ምንጭታት ይሕብሩ ኣለው።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት ናቢል ዓብደላ ኣብ መንግስታዊ ተለቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት ሱዳን ነቲ ኣብ ማእከል ካርቱም ዝርከብ ቤተ መንግስትን ህንጻታት ምኒስትሪን ከምዝተቖጻጸሮ ብምግላጽ፡ “ምሉእ ዓወት ክሳዕ ዝረጋገጽ ቃልስና ክንቅጽል ምዃንና ነረጋግጽ፡” ኢሉ። ብወገን ዳዕመ-ሰሪዕ ክሳዕ ሕጂ ዝተዋህበ ርእይቶ ኰነ መግለጺ የሎን።
ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸር ትንፋስ ቀዚፉ፡ ምልዮናት ሰባት ኣመዛቢሉ፡ ሕሱም ጥምየትን ስደትን ዘስዓበ ውግእ ሓድሕድ ሱዳን ሕጂ ኣብ ወሳኒ መድረኽ ዝበጽሐ ይመስል ኣሎ።
እዞም ሕጂ ኣብ ውግእ ሓድሕድ ኣትዮም ዘለው ክልተ መራሕቲ ጄነራል ቡርናንን ሓምዳን ዳጋሎን፡ ስርዓት ኣልበሽር ኣብ ሚያዝያ 2019 ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ምስ ተኣልየ እዮም ላዕለዋይ ስልጣን ተቖጻጺሮም።




