ግብጺ ኣብ ሃገራ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንዝሓተቱ 150 ኤርትራውያን ስደተኛታት ምስ ኤምባሲ ኤርትራ ብምስጢር ተሻሪኻ መባእታዊ ሰብኣዊ መሰላቶም ብምግሃስ ብኣስገዳድ ንሃገሮም ከምዝጠረዘቶም ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣፍሊጡ።
ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ጐደናታት እታ ውሕስነት ክትህቦም ዑቕባ ዝሓተቱላን፡ ኣህጉራውን ዞባውን ሕጋዊ ስምምዓት ዝፈረመት ግብጺ ግዳይ ማእሰርትን ግዱድ ምምላስን ይዀኑ ኣለው።
ግብጺ፡ ፈራሚት ናይ ቀንድን ወሰንቲ ኣህጉራውን ዞባውን ሕጋዊ ውዑላት ስደተኛታት፡ ናይ 1951 ውዕል ጀነቫን ናይ 1967 ፕሮቶኮሉን፡ ናይ 1969 ውዕል ስደተኛታት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ከምኡ’ውን ቻርተር ኣፍሪቃዊ መሰላት ክንሳ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ናብቲ ንህይወቶም ኣስጋኢ ዝዀነ ሃዲሞም ዝመጽኡዎ ቦታ ክትመልሶም ንዝፈረመትሉ ኣህጉራዊ ውዕል ምጥሓስ እዩ ይብል ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ።
ግብጺ እንተላይ ነቶም ኣብ ሓለዋ ስደተኛታትን ዩኤንኤችሲኣር ዝተመዝገቡ ናብ ኤርትራ ብምምላስ ህይወቶም ንማእሰርትን ስቅያትን ምቅላዕ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ግብጺ ከቢድ ሰብኣዊ ግህሰት ይወርዶም ከምዘሎ ዘቃለዐ እቲ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ማሕበር እታ ሃገር በቲ ዝፈረመትሉ ውዑል ክትቅየድ ጸዊዑ።
ካብ 2016 ጀሚሩ ኣብ ግብጺ ዝተመዝገበ ሚካኤል መዓሾ ዝተባህለ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ንልዕሊ ወርሒ ድሕሪ ምእሳር ሓይልታት ጸጥታ ግብጺ ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ወሲዶምዎ ናይ ምባራር ወረቐት ኣፈሪሞም ከምዝመለሱዎ እቲ ሪፖርት ይሕብር።
ሓንቲ ኣደ እውን ንጓል ሽዱሽተ ዓመት ውላዳ ገዲፋ እንጌራ ክትገዝእ ምስ ወጽአት ተኣሲራ ብኡ ኣቢላ ጓላ ገዲፋ ብኣስገዳድ ከምዝተመልሰት እቲ ናይ ኤርትራዊ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ጽሑፍ የረድእ።
ኣብ ርእሲኡ እውን፡ ተመስገን መሓሪ ዝተባህለ ካብ 2017 ጀሚሩ ኣብ ግብጺ ክነብር ዝጸንሐ ወዲ 24 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ታሕሳስ 2024 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣጉዛ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ከምዝሞተ ብምግላጽ መንግስቲ ግብጺ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብኣስገዳድ ምጥራዝ ደው ከብል ጸዊዑ




