ክልቲኦም ፕረዚደንታት ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ንምዕራፍ ሎሚ ንሰዓትን ፈረቓን ተዘራሪቦም። ዓለም ከኣ፡ ሩስያ፡ ነቲ ዩክሬን ድሮ ክትቅበሎ ድልውቲ ምዃና ዝገለጸቶ ናይ 30 መዓልታት ዕርቂ ስምምዕ ክትቅበሎ ዝገልጽ ወረ ክትሰምዕ ብሃንቀውታ ትጽበ ኣላ።
ይኹን እምበር ፕረዚደንት ፑቲን ምቁራጽ ተኸሲ ክግበር እንተዀይኑ፡ ኣብታ ወርሒ፡ ኩሉ እቲ ካብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ናብ ዩክሬን ዝኣቱ ኣጽዋር ክቋረጽ ከምዝጠልብ ክሕበር ጸኒሑ ኣ
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ፑቲን፡ ዝተራኸበ ናይ ትራምፕ ልኡኽ፡ ሩስያ ተኹሲ ደው ንከተብል ብኹሉ ሸነኻት ናብ ዩክረይን ዝውሕዝ ናይ ኣጽዋር ቀረብ ክቋረጽ ቅድመ ኩነት ከምዝገበረ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኤውሮጳ ኣብ ሞስኮ ዝርከቡ ምንጭታት ብምጥቃስ ሓቢሩ ነይሩ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን፡ እቲ ውድብ ንመጻኢ ካብ ሩስያ ንዝገጥሞ ዝዀነ ሓደጋ ንነብሱ ንክከላኸል፡ ክሳብ 2030 ክውደብ ከምዝግባእ ተዛሪባ።




