ኣዴታት ኤርትራ ብወረ ውግእ ይሻቐላ!
ኣብ ኤርትራ ብውግእን ወረ ውግእን ዝተሻቐላ ኣዴታት ዳግማይ ዕንወትን ሞትን ከይርእያ ናብ ፈጣሪአን ይምህለላ ከምዘለዋ ምንጭታት ገሊጾም።
ኣብ ኤርትራ ዋላ’ኳ ርኡይ ምንቅስቓስ ናይ ሰራዊት እንተዘየሎ፡ ኣብ ማዕከናት ዜናን ብታሕቲ ታሕቲ ብዝመሓላለፍ ዘሎ ክተትን ተጠንቀቕን ህዝቢ ኣብ ሻቕሎት ከምዘሎ ተገሊጹ።
እቲ ብውግእን ወረ ውግእን ዝሰምበረ ህዝቢ፡ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ብዘሎ ዓፈና ፕረስን ሚድያን ዓው ኢሉ ክዛረብ እንተዘይከኣለ፡ ዓመት መጽአ ብዝጋዋሕ ዕጠቕን ክተትን ሰልክዩዎ፡ ንሓድሕዱን ምስ ጐረባብቱ ህዝብታትን ሰላማዊ ጉርብትናን ሕውነትን ከምዝምነ ምንጭታትና ሓቢሮም።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ደማዊ ውግእ፡ ኣብ ትግራይ፡ ደሃይ ናይ ዘጥፍኡ ደቁ ሃለዋት ስለዘይተንግረ፡ ደቀንን ሰብኡተንን ዝጠፍኡወን ኣዴታትን ደሃይ ኣቦታቶም ዝሰኣኑ ደቆምን ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከምዝርከቡ ይፍለጥ።




