ብተወሳኺ፡ ንጌታቸው እቶም ኣብያተ ጽሕፈትን ምምሕዳርን ዘፍርሱ ዘለው ሓይልታት ንሻዕብያ ተኣማሚኒኦም እዮም ትብል እንተዄንካ፡ በዓል ደብረጽየን ዝዀነ ይኹን ርክብ የብልናን ይብሉ ስለዘለው ህዝቢ ንኽፈርድ ጭብጥታትካ ዘይትነግር ክብል ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ውሑዳት ግን ከኣ ዓቢ ጽልዋ ዘለዎም ኣብ ሻዕብያ እምነት ዘለዎም ካብ ሰራዊትን ፖለቲከኛታት ርክብ ዘለዎም ውሑዳት መራሕቲ ከምዘለዎ ብምሕባር ፡በዓል መን ምዃኖም ኣብ ግዜኡ ምናልባት እውን ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ክርቁሑ ከምዝኽእሉ ተዛሪቡ።
ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝምድናን ርክብን ኣቢ፡ ፋኖን ሻዕቢያን ስለዝሻሕከረ ክልቲኦም ሓይልታት ኢሳይያስን ኣቢን ምስ ሰራዊት ትግራይ ተሻሪዀም እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ንምእላይ ድላይ ከምዘለዎም ብሰፊሑ ክዝረብ ጸኒሑ እዩ። ብዛዕባ እዚ ብዝምልከት ጐታቸው ብዝዀነ ይኹን ወገን ብዝለዓል ግጭት ትግራይ ዓውደ ውግእ ክትከውን የብላን ዝብል ጽኑዕ እምነት ከምዘለዎ ተዛሪቡ።
ምስ ዶር ኣቢይ ብውሑዱ ናይ ፕሪቶርያ ስምምዕ ከምዘለዎም ብምጥቃስ ሕጂ ተፈጢሩ ብዘሎ ቅልውላው ምስቲ ሓደ ተሻሪኽና ኣንጻር እቲ ሓደ ምግጣም ንዝብል ሓሳብ ኣይድግፎን እየ። እቶም ምስ ኤርትራ ክውግኑ ዝደልየ ግን ከምኡ ክትገብሩ ምዃንኩም ንምርግጋጽ ብዝወሓደ ንግዝያዊ ምምሕዳር ክትቆጻጸሩዎ ኣለኩም ከምዝተባህሉን ማሕተም ናይ ምሕዳግ ወፍሪ ከምዝጀመሩን ተዛሪቡ።
መንግስቲ ኤርትራ ዘዋጽኦን ዘየዋጽኦን መዚኑ እዩ ስጉምቲ ዝወስድ። ህዝቢ ትግራይ መሰሉን ረብሓኡን እንተተረጋጊጹ ናብትን ናብትን ዘብል ምኽንያት የብሉን በሃላይ እየ ክብል ሐሳቡ ኣትሪሩ። ጌታቸው ኣብቲ ብኣፍልጦ ዶር ደብረጽየን ምስ ሻዕቢያ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ሓቢርና ንኣቢ ንእለዮ ዝብል ሓሳብ ከምዝነበረ ብምግላጽ እቲ ሓሳብ እቲ ምስቲ ሕጂ ዝራኸቦ ዘሎ ዝብሎ ክፋል ህወሓት ንምትግባር ድላይ ክህልዎ ከምዝኽእል ተዛሪቡ።
ንሰራዊት ኤርትራ ካብ ዝሓዞ ቦታታት ክወጽእ መንግስቲ ፈደራል እዩ። እቲ ሰራዊት ብኽልተ ኣገባብ እዩ ዝወጽእ ወይ ብዲፕሎማሲ ወይ ብሓይሊ፡ እንተደኣ ሰራዊት ፈደራል ኣብ ዶባት ዘይሃልዩ ንመን ኢኻ ትወቅስ ክብል ሕቶታት የቐምጥ።
ካብ ሓምለ ክሳብ ለካቲት ኣብ ዘሎ ሸሞንተ ወርሒ 8 ቢልዮን ብር ንሰራዊት ከምዘውጸአ ብምሕባር ትግራይ 275 ሽሕ ሰራዊት ሒዛ ክትቅጽል ከምዘይትኽእል፤ ኣብ ክልተ ዙር 175 ሽሕ ኣጣይሶም 100 ሽሕ ሒዞም ክተርፉ ሓሳብ ከምዝነበረን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከምዝተጓተተን ከም ሳዕቤኑ ከኣ ክሳብ ሕጂ ዝዀነ ይኹን ናይ ልምዓት ስራሓት ከምዘይሰርሑ ሓቢሩ።
ብኻልእ ሸነኽ፡ ፈደራላዊ መግስቲ፡ እቲ ዝግበኦ ነገር ከይገበረን ልዑላዊ ግዝኣት ክልል ትግራይ ናብ ንቡር ተመሊሱ ምሉእ ውሕስነት ከይተረጋገጸ ቲዲኤፍ ዕጥቂ ክፈትሕ ኣይግባእን እዩ ዝበል ምጉት ጸኒሑ እዩ።
ጌታቸው ረዳ ኣብዚ ናይ ክልተ ዓመት ጉዕዞኡ ኰነ ቅድሚኡ ንዝፈጸሞም ጌጋታት ብኽፉት ልቢ ከምዝቕበል ግን ከኣ ክሳብ ሕጂ ዓቕሙ ዘፍቅዶ ከምዝሰርሐን ህወሓት ኣነ ጥራሕ እየ መድሕን ዝብል ኣተሓሳስባ ከምዘይቅበል ትግራይ ሰፊሕ ናይ ፖለቲካ ምህዳር ዘረጋገጽ ስርዓት ክህሉ ከምዝደልን መጻኢ ትግራይ ናይ መንእሰያት ምዃኑን ካልእ ሓያሎ ዛዕባታት ተዛሪቡ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ብዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ቁርቁስ ኣገልግሎታት መንግስቲ ለሚሱ ቁጠባዊ ቅልውላው ብምግጣሙ ውግእ ከይመጽእ ዝሰግኡ ሰላማውያን ሰባት ናብ ኣዲስ ኣበባ ይግዕዙ ከምዘለዉን ኣብ ባንክታት ነዊሕ ሪጋታት ኣብ ዕዳጋ ከኣ ልዑል ክብርን ጽቕጥቅጥን ከምዝተፈጥረ ነበርቲ መቐለ ሓቢሮም። እቲ ኩነታት እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ እዋን መንግስቲ ፌደራል ክሳብ ሕጂ ስቕታ መሪጹ ነቲ ኩነታት ይዕዘቦ ስለዘሎ ናይ ግዳም ሓይልታት ነቲ ኩነታት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ከየዕርጉዎ ተንተንቲ ስግኣት ከምዘሎ ምንጭታት ይሕብሩ።




