ሱዳንን ሶማልን ፕረዚደንት ትራምፕ ስደተኛታት ፍልስጤማውያን ክቕበላን ኣምሳይኡ ሓገዝ ክወሃበን ንዘቕረበለን ጠለባት ከምዝነጸገኦ ዘጋርድያን ሓቢራ።
ሰበ ስልጣን ሱዳን፣ ነቶም ብመጥቃዕቲ እስራኤል ካብ ቃዛ ዝተመዛበሉ ፍልስጤማውያን ንሶማልን ሱዳንን ክግዕዙ ብትራምት ንዝቐረበ ሓሳብ ተቐባልነት የብሉን ክብሉ ነጺጎምዎ።
እቲ ናብ ሓያሎ ሃገራት እቲ ከባቢ ብዶናልድ ትራምት ዝቐረበ ሓሳብ ብዙሓት ወገናት ጥሕሰት ኣህጉራዊ ሕጊ እዩ ብምባል ኰኒኖምዎ እዮም።
እቲ ሓበሬታ ከምዝገልጾ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ሰበ ስልጣን ሱዳን፣ ሱማልያን ሶማሊላንድን ተራኺቦም፡ እተን ሃገራት ንፍልስጤማውያን ስደተኛታት ክቕበላ ኣምሳይኡ ከኣ ሰብኣውን ወታደራውን ክወሃባ እኳ እንተሓተቱ እቲ ሓሳብ ከምእተነጽገ የረድእ።
መራሒ ሰራዊት ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል-ቡርሃን ነቲ ድሮ ግብጽን ጆርዳንን ብጽኑዕ ዝተቓወምዎ ንፍልስጤማውያን ካብ ምድሪ ኣባሓጐታቶም ዝነቅል ሓሳብ ተቐባልነት የብሉን ክብል ተዛሪቡ። ኣብ ርእሲኡ እቲ ተግባር ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ሕጊ ከመ፥እ ናይ ኲናት ገበን ከምዝረአ ኣረዲኡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሰራዊት ሱዳን ንመላእ ካርቱም ንምቁጽጻር ይግስግስ ከምዘሎን ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪ ኣብ ከባቢ ፕረሲደንታዊ ቤተ መንግስት ኣኽቢቡዎም ከምዘሎ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ።
ኮማንደር ናስር ኣል-ዲን ዓብዱል ፈታሕ ሰራዊት መንግስቲ ንመላእ ካርቱም ንምቁጽጻር ሳልሳይ ምዕራፍ ስርሒት ጀሚሩ ከምዘሎ ሓቢሩ። ይኹን እምበር ኣዛዚ ዳዕመ-ሰሪ መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ ሓይልታቱ ገና ይምክቱን ኣብ ቦተኦም ከምዘለው ብምግላጽ፡ ኣብ ሰሜናዊ ሱዳን ዝቕጽል መጥቃዕቲ ከም ዝህሉ ኣጠንቂቑ።




