14.7 C
London
Monday, November 3, 2025
spot_img

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቼክ፡ ኤውሮጳ፡ ኣመሪካ ንዝዓጸወቶ ፈነወታት ሚድያ ክትትክኦ ተማሕጺኑ!

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቼክ፡ ጃን ሊፓቭስኪ፡ ኤውሮጳ ነቲ ኣመሪካ እትዓጽዎ ዘላ ፈነወታት ናይ ቪኦኤ ክትትክኦ ተማሕጺኑ። እቲ ምኒስተር ነቲ ሓሳብ ኣብ ዝመጽእ ዋዕላ ሚኒስተራት ሕብረት ኣውሮጳ ከምዘቕርቦን፡ ኣመሪካ ንእትዓጽዎ ዘላ ሓደ ሓደ ፈነወታት ሚድያ ክትትክኦ ከምዝግባእ ሓቢሩ።
ቪኦኤ፡ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ኣብ ትሕቲ ኮሚኒዝም ንዝነበሩ ሕብረተሰባት ንምብጻሕ ዝተመስረተ ብኣመሪካ ዝምወል ማዕከን ዜና ኰይኑ ድሕሪ 82 ዓመት ኣገልግሎቱ ብፈጻሚ ትእዛዝ ትራምፕ ፈነወታቱ ኣቋሪጹ ኣሎ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቸክ፡ ሚኒስተራት ሕብረት ኤውሮጳ ብዶናልድ ትራምፕ ንዝተቖርጸ ምወላ ብምትካእ ነቲ ኣብ ፕራግ ዝመደበሩ ሬድዮ ሊበርቲ (RFE/RL) ንምድሓን ክጽዕሩ ኣተሓሳሲቡ።ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ካጃ ካላስ ንሬድዮ ነጻ ኤውሮጳ “መብራህቲ ዲሞክራሲ” ብምባል ኣሜሪካ ምወላ ክትቆርጽ ምውሳና ከምዘሕዘኖ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ትራምፕ ንፌደራላዊ ቢሮክራሲ ንምንካይ ብዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ነቲ ናብ ኢራን፣ ሩስያ፣ ቤላሩስን ብኲናት ዝተሃስየት ዩክሬንን ካልኦት ሃገራትን ዝፍኖ ዝነበረ መደባት ድሕሪ ምዕጻው እዮም ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ሃጓፍ ንምምላእ ዝዘራረቡ ዘለው። ፕረዚደንትን ዋና ኣካያዲ ስራሕን ሬድዮ ሊበርቲ ስቲቨን ካፑስ ምስራዝ ደገፍ ንሬድዮ ሊበርቲ “ንጸላእቲ ኣመሪካ ዓቢ ህያብ ክኸውን’ዩ” ክብል ተዛሪቡ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፖላንድ ራዶስላው ሲኮርስኪ ብወገኑ፡ንኽልቲአን ሬድዮታት፡ ነጻ ኤውሮጳን ድምጺ ኣሜሪካን ንምሕጋዝ “እንታይ ክግበር ከምዝኽእል ክንርኢ ኢና” ክብል ተዛሪቡ።
ኣብ ዝሑል ኵናት ንናይ ደገ ሰማዕቲ ንምኽሳብ ዝተመስረተት ድምጺ ኣመሪካ፡ ናብተን ናይ ፕረስ ጸገማት ኣለወን ዝበሃላ ሃገራት ዝዓለም ብኣስታት 47 ቋንቋታት መደባት ትፍኑ ነይራ።
ኣብ 1982 ብቛንቋ ኣምሓርኛ፡ ካብ 1997 ንደሓር ከኣ ብቛንቋታት ትግርኛን ኣፋን ኦሮሞን ስሩዕ መደባት ክትፍኑ ምጽናሓ ዝዝከር’ዩ።

Political Analysis

spot_img

Latest Articles