ሎሚ ለይቲ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዩክረይን ጽዑቕ ናይ ድሮንን ሚሳይላትን መጥቃዕትን ክካየድ ሓዲሩ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ልኡኻት ዩክሬይንን ኣሜሪካን ኣብ ዩክሬይን ንዝካየድ ዘሎ ኲናት ንምህዳ ናይ 30 መዓልታት ተዅሲ ምቁራጽ ክካየድ ድሕሪ ምስምመዖም እዩ ዝቕጽል ዘሎ።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ሩስያ፡ ተዅሲ ብምቁራጽ ንዘተ ቅርብቲ ክትከውን ትስፍውነቱ ገሊጹ ነይሩ።መራሕቲ ኤውሮጳ ነቲ ስምምዕ ደጊፎምዎ ነይሮም።
ብድሕሪኡ፡ ናይ ኣሜሪካ ልኡኽ ስቲቭ ዊትኮፍ፡ ነቲ ሓሳብ ምስ ፑቲንን ካልኦት ሰበ ስልጣን ሩስያ ምስተዘራረበሉ፡ ሩስያ ውግእ ደው ንምባል ድልውቲ ምዃና፡ ግን ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽ ነቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ቕልውላው ዝዀነ ነገር ክውገድ ኣለዎ ምባላ ይዝከር? እቲ ጠንቂ ዝበሃል ዘሎ ነገር ግን ብዝርዝር ኣይተገልጸን።
ፕረዚደንት ዩክሬይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ሩስያ፡ ነቲ መስርሕ ዘወሳስብን ዘናውሕን ኵነታት እያ ትፈጥር ዘላ ክብል ነቒፉ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሓይልታት ዩክሬይን ሩስያን ኣብ ሰሜናዊ ዩክሬይን ኣብ ዝርከብ ዞባ ሱሚ ውግእ ይቕጽሉ ከምዘለው ይሕበር። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ መራሒ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዩክሬይን ንዘሎ ኲናት ንምቁራጽ ጽባሕ ሓሙስ ክዘራረቡ ምዃኖም ተሓቢሩ። ባይቶ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኣውሮጳ ጉዳይ ዩክሬይን ንምዝታይ ክእከብ እዩ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሊትዋንያ ናይ ሎሚ ጥንቁቕ ውሳኔታት ንናይ ጽባሕ ጸጥታ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ ክትብል ተዛሪባ።




