ነፈርቲ ውግእ ኣሜሪካ ኣብ ሰንዓን ካልእ ከባቢታት የመንን ብዝፈጸምኦ ደብዳብ ትሽዓተ ሕጻናት ዝርከቡዎም 53 ሰባት ከምዝሞቱን 98 ከምዝቖሰሉን ማዕከን ዜና ሳና ሓቢሩ።
እቲ መጥቃዕቲ፡ ሓይልታት የመን፡ ኣብ ልዕሊ ጋዛ ንዝካየድ ዘሎ ደብዳብ ብምቅዋም፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕርን ባብ ኣል-ማንደብን ወሽመጥ ዓደንን ኣብ ልዕሊ መራኽብ እስራኤል ሓድሽ ስርሒት ድሕሪ ምጅማሮም እዩ ኣጋጢሙ።
ኣፈኛ ሓይልታት የመን ብርጋዴር ጀነራል ያህያ ሳሪዕ፡ መርከብ ውግእ ኣመሪካ ሃሪ ኤስ ቱርማን ንየመን ከተጥቅዕ ኣብ እትዳለወሉ ዝነበረት እዋን ከምእተጠቕዐት ገሊጹ። ሓይልታት የመን ነቲ ዘይፍትሓዊ ዝበሉዎ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ብኹሉ ዓቕሞም ከምዝገጥሙዎ ከኣ ሓቢሩ።
ሓይልታት የመን ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ምስ ፍልስጤማውያን ብምድንጋጽ፡ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ፡ ኣብ ልዕሊ መራክብ እስራኤልን ኣመሪካን፡ ብባሊስቲክን ክሩዝ ሚሳይላትን፡ ድሮንን፡ ነፈርቲ ውግእ ንእትስከም ዝዓበየት ኣመሪካዊት ናይ ውግእ መርከብ ዩኤስኤስ ሃሪ ኤስ. ትሩማን ብሚሳይል ድሕሪ ምጥቃዖም’ዩ፡ ኣመሪካ ኣብ ሰንዓን ካልእ ከባቢታትን ጽዑቕ ደብዳብ ነፈርቲ ተካይድ ዘላ።
ሎሚ 17 መጋቢት ንደብዳብ እስራኤል ኣብ ቃዛን መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣመሪካ ኣብ ሰንዓን ዝተቓወሙ ኣሽሓት የመናውያን ኣብ ዓል-ሳቢን ስኴር፡ ሰንዓ ተኣኪቦም፤ “ህልቂት ጋዛ ደው ይበል!” ዝብል ተሪር ጭርሖ ከቃልሑ ውዒሎም ኣለው።
በዓል መዚ ጥዕና ፍልስጤም፡ ካብ ጥቅምቲ 2023 ኵናት ሓማስን እስራኤል ካብ ዝጅምር ልዕሊ 48,500 ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 112,000 ከምዝቖሰሉን ኣፍሊጡ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ከኣ ነቲ ኣብ ጋዛን ሰንዓን ዝዓርግ ዘሎ ወጥሪ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘኸትል ኣጠንቂቑ።




