11.5 C
London
Saturday, April 19, 2025
spot_img

ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ሳልቫ ኬርን ቀዳማይ ምክትሉ ሬክ ማሻርን ዘይምርድዳእ ከምዘሎ ተሓቢሩ!

ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኬርን ቀዳማይ ምክትሉን ፕረዚደንት ሬክ ማሻርን ዝተፈጥረ ምትፍናን ኣብታ ሃገር ጐንጺ ከይክሰት ስለዘስገአ፡ ፕረዚደንት ሞሰቬነ ንፕረዚደንት ሳልቫ ኬር ንምድጋፍ ኣብ ጁባ ፍሉይ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከምዘዋፈረ ተሓቢሩ።
ኣዛዚ ሰራዊት ዩጋንዳ ጀነራል ሙሁዚ ኪኣኒሩጋባ፡ ‘ምሊንዚ ዋ ኪምያ’ ወዲ ፕረዚደንት ሞሶቬነ: ሰራዊት ሃገሩ ወተሃደራዊ ስርሒት ንምክያድ ናብ ጁባ ከምዝተዋፈረን ንሰራዊት ደቡብ ሱዳን ድርዒ ከምዝዀኖ ኣብ ኤክስ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ሳልቫ ኬር ንክልተ ሚኒስተራትን (እቲ ሓደ እኳ ጸኒሑ ተፈቲሑ ኣሎ፡) ብርክት ዝበሉ ወተሃደራውያን ሓለፍትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታው እዩ እዚ ነገር ዝጓሃሃር ዘሎ።
ይኹን እምበር፡ ሰበ-ስልጣን ደቡብ ሱዳን፡ ሰራዊት ዩጋንዳ ናብ ሃገርሮም ከምዘይኣተወ ብምግላጽ፡ ነቲ ሓበሬታ ነጺጐሞ ኣለዉ። ሚኒስትሪ ሓበሬታ ደቡብ ሱዳን ሚኪኤለ ማኩዊ፡ ከኣ ሰራዊት ዩጋንዳ ኣብ ጁባ ከምዘየለ ምስ መራኸቢ ብዙሓን ሃገሩ ዘካየዶ ቃለ-ምሕትት ገሊጹ።
እታ ኣብ ኣብ 2011 ድኽሪ መሪርን በዳህን ቃልሲ ብህዝባዊ ድምጺ ካብ ሱዳን ዝተፈልየት ደቡብ ሱዳን ኣብ ክልተ ዓመታ ድሕሪ እቲ ህዝባ ሃረር ዝበሎን ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለሉ ናጽነትን ብዓሌታዊ ምስሕሓብ ኣብ ውግእ ሓድሕድ ተሸሚማ ከቢድ ህይወት አሕሊፋ።
ኣብቲ ግጭት ኣስታት 400,000 ሰባት ክቕተሉ እንከለው፡ ሚልዮናት ሰባት ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ከምእተመዛበሉ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የረድእ።
ድሕሪ ብዙሕ ምፍሳስ ደምን ህልቂትን ብጻዕሪ ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣብ 2018 ስምምዕ ሰላም ተፈሪሙ፡ ኣብ 2020 ድማ ናይ ሓድነት መንግስቲ ቆይሙ፤ ሪክ ማቻር ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት ኰይኑ ተሸይሙ። ይኹን እምበር ድሕሪ ማእሰርቲ ደገፍቲ ማቻር እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ምውዳቓ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስክፍተኦም ንቢቢሲ ኣካፊሎም ነይሮም። ሕጂ ምስ ምትእእተታው ሰራዊት ዩጋንዳ ከኣ እቲ ወጥሪ ይውስኽ ስለዘሎ እቶም ኣብ ከም ህንጻ፡ መቐበሊ ኣጋይሽ ሆቴላትን ምምጻእን ምልኣኽን ሃለኽቲ ተዋፊሮም ዘለው፡ ብውግእ ሓድሕድ 2013 ዝሰንበዱ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያንን ኡጋንዳውያንን ነጋዶ ሻቕሎቶም ይገልጹ ኣለው።
እቲ ግጭት እንተድሕሪ ተወሊዑ፡ ኣብታ ሃገር ከቢድ ቁጠባዊ ምንቁልቁል ሰብኣዊ ምዝንባልን ሞትን ህውከትን ከኸትል ስለዝኽእል ማሕበረ ሰብ ዓለም ነቲ ኩነታት ብኣትኩሮ ክከታተሎ ይጽውዑ።

Political Analysis

spot_img

Latest Articles