11.5 C
London
Saturday, April 19, 2025
spot_img

ኢትዮጵያን ሩስያን ስምምዕ ‘ሓይሊ ባሕሪ’ ፈሪመን ይበሃል ኣሎ!

ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ብምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ኣድሚራል ቪላዲሚር ቮሮቢቭ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ልኡኽ ሩስያ ምስ ኢትዮጵያዊ መዘናኡ ኮሞዶር ጀማል ቱፊሳ ተራኺቡ ንሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንምሕያልን ከምዝተሰማምዑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እታ ኣብ 2018 ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ዝጀመረት ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ፡ ኣብ 2021 ቀዳማይ ዙርያ ኣባላት ብምስልጣን ኪኖ’ቲ ኣብ ቀላያትን ወሓይዝን ኣብ ባሕርታትን ውቅያኖሳትን ንዝህሉ ሽፍትነት ባሕሪ ንምግታእ ከምእትሰርሕ ክትገልጽ ጸኒሓ ኣላ።
ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ 1991 ኣብ ኤርትራ ዝተሳዕረ ናይ ቀደም ሓይሊ ባሕራ ዳግም ብምውዳብ ኣብ ገማግም ባሕርን ውቅያኖስን ጐረባብቲ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክትረክብ ላዕልን ታሕትን ትብል ከምዘላ ይፍለጥ።
ካብዚ ብምብጋስ ከኣ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኰነ ፖለቲከኛታትን ጀኔራላትን እታ ሃገር ናብ ዓሰብን ቀይሕ ባሕርን ዝቐንዐ፡ ዋንነት ባሕሪ ይግብኣና እዩ። ሎሚ እንተዘይተኻእለ ደቅና ክገብሩዎ እዮም ዝብል ንኣህጉራዊ ሕግን ልዑላውነትን ኤርትራ ዝጻረር ታህዲድ ዝሓዘለ መደረታት ስለዝህቡ ኣብ ኤርትራውያን ሓያል ቁጠዐን ነድርን ኣኸቲሉ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ሶማሊላንድ ዘካየደቶ ኣፈናዊ ምርድዳእ፡ “ ሶማል ልኡላዊ ግዝኣተይ ይገሃስ ኣሎ!” ብምባል ነቲ ጉዳይ ናብ ሕቡራት ሃገራት ስለዝወሰደቲ ኣብቲ ዞባ ዓቢ ወጥርን ምትፍናንን ፈጢሩ ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ ግን ብሽምግልና ኣንካራ እቲ ጉዳይ ሃዲኡ። ኢትዮጵያ ብስምምዕን ፍቓድን እታ ልዑላዊት ሃገር ሶማል ጥራሕ ኣገልግሎትን መተሓላለፊ ባሕርን ከምእትረክብ ተሰማሚዓ ኣላ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንኣህጉራዊ ሕጊ ብምጽራር፡ ሩስያ ኣብ 2014 ፈለማ ንኣካል ዩክረይን ዝዀነት ክረምያ፡ ዳሕራይ ከኣ ኣብ ለካቲት 2022 ንርእሰ ከተማ ዩክረይን ወሪራ ከተብቅዕ ምስ ክረምሊን ምውጋኑ ዘቖጠዖም ብዙሓት ኤርትራውያን እዚ ናይ ባሕሪ ስምምዕ ዜና ምስ ተቓልሐ ከምዝተገረሙ ብምግላጽ፡ ፍትሒ ዝጉዕጽጽ ስርዓት መሰሉ ክርገጽ ከምዝኽእል ካብ ሸዑ ኣትሒዞም የጠንቅቑ ከምዝነበሩ ይዛረቡ ኣለው።
ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ጉባኤ ሩስያ-ኣፍሪቃ ብነሓሰ 6, 2023 ምስ መራሕቲ ሩስያ ተራኺቡ፡ “ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይንን ኲናት የለን፤ እዚ ኲናት ብNATO ኣብ ሩስያ እተኣወጀ እዩ” ክብል ንኣመሪካ ምዕራብ ክጻረር ንሩስያ ምድጋፉ ይዝከር። ቅድሚ ሕጂ እውን ኢትዮጵያ ምስ ፈረንሳ ሓይሊ ባሕሪ ንምህናጽ ተሰማሚዓ ምንባራ ዝዝከር እዩ።

Political Analysis

spot_img

Latest Articles