11.5 C
London
Saturday, April 19, 2025
spot_img

ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ንዝርከቡ ልዕሊ ሚልዮን ስደተኛታት ንምሕጋዝ 81 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ሓቲቱ።

ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንስደተኛታት ዝሕገዛ 45 ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ልምዓት መሻርኽትን፡ ነቶም ኣብ ጅቡቲ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማል፣ ሪፐብሊክ ታንዛንያ፣ ኬንያን የመንን ዝርከቡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከቡዎም ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ስደተኛታት ንምሕጋዝ 81 ሚልዮን ዶላር ገንዘብ ከምዘድልዮም ሓቢሮም።
እቲ ትካል፡ ዓመታዊ ካብ ጐንጽን ግጭትን ደርቅን ነቕጽን ዝሃደሙ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ካብ ኢትዮጵያን ሶማልን ብጅቡትን የመንን ኣቢሎም ናብ ሃገራት ወሽመጥን ስዑዲ ዓረብን ብሱዳን፡ ብኣጻምእ ሰሃራን ሊብያን ገይሮም ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ክኣትው፡ ብኻልእ መስመር ከኣ ካብ ኬንያ፣ ታንዛንያን ካልኦት ሃገራትን ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምብጻሕ ሓደገኛ ጉዕዞ ስደት ከምዝጅምሩን ኣብ መገዶም ግዳይ ሞትን ጭንቀትን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን ነጋዶ ሰባትን ይዀኑ ከምዘለው ሓቢሩ።
እዞም ግዳያት ኣብ ጉዕዞኦም ብሰንኪ ከቢድ ቁጠባዊ ጸገምን ድኽነትን ግዳይ ጾታውን ሰብኣውን ዓመጽ ከምዝዀኑን ከቢድ ናይ ስነ አእምሮኣዊ ሃስያ ከምዝወርዶምን እውን የረድእ።
“መዓልታዊ ደቂ ኣንስትዮን ሕጻናትን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ኣብ ምብራቓውን ደቡባውን መስመራት ስደት ከቢድ ሓደጋታት የጋጥሞም ኣሎ” ክብል ዳይረክተር ጀነራል ኣይኦኤም ኤሚ ፖፕ ገሊጹ።
ንሱ፡ “ንስደተኛታትን ነቶም ዝቕበልዎም ማሕበረሰባትን ቅልጡፍ ሓገዝ እንተዘይተገይሩ፣ ስቓይ መከራን ክኸርር፡ ጭንቅን ውጥረትን ክተርር፡ ከምኡ’ውን ናይ ህይወት ኣድሕን ትካላት ሓገዝ ክመክን ስለዝኽእል እቲ ናይ ስራሕ እዋን ሕጂ እዩ” ክብል ንማሕበረ ሰብ ዓለም ኣዘኻኺሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት እኳ፡ ኣብ ትግራይ ብኣሰጋገርቲ ሰባት ኣሽሓት ዶላራት ከፊሎም ንኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተው፡ ሕጋዊ መንቀሳቐሲ ወረቐት የብልኩምን ተባሂሎም ካብ ጐደናታትን ኣባይትን ብኣባላት ጸጥታ ተገፊፎም ኣብ መደበር ፖሊስ ላፍቶ ንፋስ ስልክ ንወርሒ ተዳጒኖም ምስ መረሮም ነብሶም ከድሕኑ ዝፈተኑ 13 ኤርትራውያን ብጥይት ተሃሮሞም ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ኰይኖም ዘሰቅቕ ዛንትኦም ኣብ ቢቢሲ ተቓሊሑ ነይሩ። ይኹን እምበር እቲ ምስግጋር ሰባትን ጭውያን ኣስገዳድ ክፍሊትን ሕጂ እውን ኣብ ትግራይ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዩጋንዳ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ መመሊሱ ይጋደድ ከምዘሎ ምንጭታት ይሕብሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ጅቡቲ ዝተበገሳ ኣርባዕተ ጃላቡ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ብምግልባጠን ትግራዎት ዝርከቡዎም ኩሎም ተሳፈርተን ብሙማቶም ኣብ ደቡብ ትግራይ፡ ናይቶም ብሓደጋ ዝሞቱ 18 መንእሰያት ካልኣይ ቀብሪ ከምእተፈጸመ ቢቢሲ ገሊጹ።
እቶም ግዳያት ነብሲ ወከፎም ኣስታት 100 ሽሕ ብር ከምዝኸፈሉ ስድራ ቤቶም ሓቢሮም።
ካብተን ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ዝጠሓላ ጀላቡ እታ ሓንቲ 31 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታትን ሰለስተ የመናውያን ሰራሕተኛታት ጽዒና ከምዝነበረት ኣሶሸይትድ ፕረስ ጸብጺቡ።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 60 ሽሕ ስደተኛታት ናብ የመን ከም ከምዝሰገሩ፡ ልዕሊ 580 ደቂ ኣንስትዮን 100 ህጻናትን ዝርከብዎም ኣስታት 3,400 ስደተኛታት ግን ብሓደጋ ከምዝሞቱን ሃለዋቶም ከምዘይተረኽበን ይሕብር። እቶም ካብ ጂቡቲ ዝነቕሉ ስደተኛታት ዝበዝሑ ኢትዮጵያውን ካብኡ ናብኡ ከኣ ትግራዎትን ሶማልን ምዃኖም ጸብጻባት የረድኡ።

Political Analysis

spot_img

Latest Articles