11.5 C
London
Saturday, April 19, 2025
spot_img

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዝምዕብል ዘሎ ወጥሪ ንዲፕሎማት መብርሂ ሂቡ።

ኣብቲ ብፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝምራሕ ዘሎ መድረኽ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ፡ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ትግራይ ንዝምዕብል ዘሎ ኵነታት “ብትዅረት” ይከታተሎ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።
እቲ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣባላት እቲ ነብሱ ዘግለለ ጉጅለ ህወሓት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ብምልኣት ከይትግበር ይዓግቶ ከምዘሎ ሓቢሩ። ትግባረ ስምምዕ ፕሪቶርያ ሓደ ሓደ ድኽመታት እኳ እንተዘለዎ ንምምሕያሹ ብትግሃት ይስራሕ ከምዘሎ እውን ተዛሪቡ።
ፕረሲደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከቡ ኣምባሰደራት ኣመሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ፈረንሳ፡ ኢጣልያን ጀርመንን ብዛዕባ’ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው መብርሂ ከምዝሃቦም ብረቡዕ ሓቢሩ ነይሩ።
ንሱ፡ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሓደ ሓደ ዘይሕጋውያን ዕጡቓት ንግዝያዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብምፍራስ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ይጥሕሱዎ ከምዘለው፤ ገለ ኣባላት መሪሕነት ሓይልታት ጸጥታን ብደብረጽየን ዝምራሕ ክንፊ ህወሓትን ነቲ መስርሕ ሰላም ብመደብ ይጎብጡዎን ንትግራይ ዳግም ናብ ሕንፍሽፍሽ የእትዉዋን ኣለው ክብል ምኽሳሱ ይዝከር።
ትማሊ፡ ኣመሪካን ሃገራት ኣውሮጳን ኣብ መንጐ እቶም ተፈላልዮም ዘለው ክልተ ሓይልታት ትግራይ ‘ህጹጽ ልዝብ’ ክካየድ ጸዊዐን ኣለዋ።
ኣብቲ ብኤምባሲታት ጀርመን፡ ፈረንሳ፡ ኒዊዝላንድ፡ ኖርወይ፡ ስዊድን፡ ጃፓን፡ ስዊዘርላንድ፡ ስጳኛ፡ ኢጣልያን ኣየርላንድን ዝርከበአን 24 ሃገራት ዝወጽአ ሓባራዊ መግለጺ፡ ኣብ ትግራይ ጐንጽን ግጭንትን ክኽሰት ከምዘይግባእ ይገልጽ።
እቲ ሓባራዊ መግለጺ፡ “ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝዓርግ ዘሎ ወጥሪ ንከታተሎ ኣለና። ነቲ ኣብ ሕዳር 2022 ሻምብቆታት ብረት ዝዓበሰ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ብምሉእ ዘለና ደገፍ ደጊምና ነረጋግጽ” ብምባል ኩሎም ወገናት ንስምምዕ ፕሪቶርያ ከኽብሩ ጸዊዖም ኣለዉ።
እዚ ሕጂ ናብ ቃልዕ ዝወጽአ ምስሕሓብ ክልተ ክንፊ ህወሓት ንነዊሕ እዋን ፈኸም ክብልን በብቑሩብ ክዓርግ ዝጸንሐን ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካ እዚ ዞባ የረድኡ።
ምምሕዳር ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ንሰለስተ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይን ንሓላፊ ቢሮ ጸጥታን ሰላምን ናይታ ሃገር ድሕሪ ምስንባቱ እዩ እቲ ነገር ተኻሪሩ ናብዚ ሕጂ በጺሒዎ ዘሎ ምዕባለ ዓሪጉ ከኣ ይብሉ።
እቶም ንጉጅለ ደብረጽየን ከምዝድግፉ ዝንገረሎም ሓይልታት ነቶም ብህወሓት ተሸይሞም ብግዝያዊ መንግስቲ ዝተነጽጉ መራሕቲ ናብ ኣብያተ ጽሕፈት ክመልሶም እንከለው ምስ ሲቪል ህዝቢ ተጋጭዮም ጉድኣት ከምዘውረዱ ቢቢሲ ምጽብጻቡ ይዝከር።
እቲ ኣብዚ ጉዳይ’ዚን ምስ ኤርትራ ርክብ ኣለዎ ተባሂሉ ዝኽሰስ ዘሎ ጉጅለ ደብረጽዮንን ኤርትራ ንምክፍፋል ህወሓት ተጋድዶ ኣላ ዝብል ግን ክልቲኦም ወገናት ነጺጎምዎ ኣለው።
ኣብዚ እዋን ብሰንኪ’ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ጸጥታዊን ፖለቲካውን ቅልውላው ሰፊኑ ከምዘሎ ዳግማይ ውግእ ከይመጽእ ዝሰግኡ ዜጋታት ይገልጹ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብመንግስቲ ፈደራል ከም ዝቘመ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ንፕረዚደንት እቲ ምምሕዳር ንምቕያር ናብ መንግስቲ ፈደራል ክቐርብ ዝጸንሐ ተደጋጋሚ ሕቶ ጕጅለ ደብረጽዮን ከም ዝተነጽገ ዝፍለጥ እዩ።
ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ፡ እቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶሪያ ዝተመስረተ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ብግቡእ ኣይፈጸመን ብምባል ምትዕርራይ ክግበረሉ፤ “ዝደኸሙ መራሕቱ” ድማ ክትክኡ ከም ዝወሰኑ ምግላጾም ይዝከር። እዚ ውሳነ ግን ብግዝያዊ ምምሕዳር ከም ‘ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ’ እዩ ዝውሰድ ዘሎ።

Political Analysis

spot_img

Latest Articles