10.9 C
London
Thursday, April 25, 2024

ትዕዝብተይ ኣብ ጉባኤ ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል 2021

ጸጋይ ገብረሂወት ኣባል ባይቶ ይኣክል ለንደን ፡ 8 ነሓሰ 2021

ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ካብ ዕለት 30 ሓምለ ክሳብ 1 ነሓሴ ጉባኤ ከም ዘካየደ ዳርጋ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከብ ኤርትራዊ ዝፈልጦ ይመስለኒ። እቲ ዘይፈለጠ፡ ምናልባት ኣብ ፖለቲካ ናይ ኤርትራ ብዙሕ ተሳታፍነት ዘይብሉ ወይ ድማ ብስራሕ፡ ትንፋስ ዘይረኸበ ሰብ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። በቲ ኢልካ በቲ ግን እዚ ጉባኤ እዚ፡ ብፍላይ ኣብተን ክልተ ዳሕረዋት መዓልታት፡ ክሳብ 1500 ዝኸውን ሰብ ኣብ ነንበይኑ ሰዓታት ተሳቲፍዎ ኢዩ። ስለዚ ትዕዝበተይ ብ “ስለምንታይ ክንድዚ ዝኣክል ሰብ ኣብ ምንቅስቓስ ይኣክል እምነት ኣሕዲሩ፡ ን7 ሰዓታት ዝኣክል ነቲ ጉባኤ ተኸታቲልዎ” ዝብል ክጅምር ምደለኹ። ምኽንያቱ መብዛሕትኡ እቲ መልሲ ኣብኡ ስለ ዘሎ።

  1. እዚ ጉባኤ እዚ ዋላ’ኳ ኣወሃሃድቲ እንተነበርዎ፡ ዋና ግን ኣይነበሮን። ናይ ኩሉ እቲ ኣብ 2018 ይኣክል ኢሉ ዝተንሰአ ህዝቢ ኢዩ ኔሩ። እዚ ጉባኤ እዚ፡ ነቶም ኣቐዲሙ ህዝቢ ከካብ ሃገሩ ዝወከሎም ኣባላት ባይቶ ሕጋውያን ንምግባሮም ዝተጸወዐ ጉባኤ ጥራይ ዘይኮነ፡ ህዝቢ ብሓንሳብ ክሰርሕ ከምዝኽእል ዘርኣየሉ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ዘይተራእየ ሓድሽ ተመክሮ ኢዩ ኔሩ።
  2. ጉባኤ ንኸዳሉ ዝተመዘዘ ጉጅለ (ኮሚተ)፡ ካብ ምሉእ ዓለም፡ ካብ ህዝቢ ዝተሓርዩ ኢዮም ኔሮም። ኣባላት እቲ ብህዝቢ ከካብ ሃገሩ ተወኪሉ ናብ ዓለም ለኻዊ ባይቶ ዝኣተዉ ኣይነበሩን።
  3. ኩሉ እቲ ንጉባኤ የድሊ ኢዩ ዝበሃል ምድላዋት፡ ከም ፖስተር፡ ግጥምታት፡ ቃለ-መሕትታት ካልእ ኣብ ግዜ ጉባኤ የድልዩ ኢዮም ዝበሃሉ መግለጺታትን ጽሑፋትን በቶም ኣባላት ባይቶ ጥራይ ዝተዳለዉ ኣይነበሩን። እኳ ደኣ ልዕሊ 80% በቶም ካብ ባይቶ ወጻኢ ዝነበሩ ሰባት ዝተዳለወ ኢዩ ኔሩ።
  4. ኣበየ ሃገሩ ኣድላይነት ናይዚ ጉባኤ፡ ብዘይ መምርሒ ዓለም ለኻዊ ባይቶ፡ ህዝቢ ክካታዓሉ ጀሚሩ ኢዩ። ገለ “እዚ ጉባኤ እዋናዊ ድዩ?” ክብል ከሎ፡ ገለ ድማ “እዋኑ ዝሓለፎ እምበር” ክብል ኢዩ ዝስማዕ ኔሩ። ስለዚ ደረት ናይቲ ክትዕ ዝሕንጽጽ ኣካል ኣይነበረን።

እዚ ነጥብታት እዚ ዘምጸኦ ዘለኹ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። ሓደ ካብ መትከላት ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል “ህዝባውነት” ኢዩ። እዚ ጉባኤ’ዚ ንህዝባውነት ከመይ ጌሩ ብግብሪ ከምዘንጸባረቖ ንምርኣይ ከኣ ኢየ ትዕዝብተይ ክገልጽ ዝፍትን ዘለኹ። ብዙሕ ግዜ ኣብ ባይቶታት ዘለዉ ኣወሃሃድቲ ብዛዕባ ህዝባውነት ክዛረቡ ከለዉ፡ እንታይ ማለቶም ምዃኑ ዝርድኣና ብዙሓት ከይንኸውን ንኽእል ኢና። ምኽንያቱ ህዝባውነት ሓሳብ እምበር ቃል ኣይኮነን። ሓሳብ ከኣ ከም ቃል ብቐሊሉ ክትርድኦ ዘይከኣል ክኸውን ከም ዝኽእል ንኹልና ርዱእ ይመስለኒ።
ስለዚ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ህዝባውነት ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ። ነዚ ምንቅስቓስ ዘለዎ ጥቕምን ጉድኣትንከ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ዝብሉን ካልእን ሕቶታት ምስዚ ዘቕርቦ ዘለኹ ትዕዝብቲ ኣዛሚደ ክገልጽ ክፍትን ኢየ። ብዓንደ ርእሱ ከኣ እዚ ዝሓለፈ ጉባኤ ነቲ ህዝባውነት ዝብል ኣምር ብኸመይ ኣንጸባሪቕዎ ናተይ ትዕዝብቲ ከቐምጥ ክፍትን ኢየ።

ቅድሚ ክልተ ዓመታት ህዝቢ “ይኣክል” ኢሉ ምስ ተላዕለ፡ ሽዑ ንሽዑ ኢዩ፡ ህዝቢ፡ እቲ ምንቅስቓስ ናቱ ኮይኑ ዝተሰመዖ። ብኩሉ ዝኽእሎ ዘበለ ከኣ ንምህናጹን ምድልዳሉን ዓቢ ኣበርክቶ ጌሩ ኢዩ። ከምኡ እንተዘይከውን እዚ ምንቅስቓስ ኣብ ጉባኤ ክበጽሕሲ ይትረፍ ንክልተ ዓመታት እኳ ጠጠው ክብል ኣይምኸኣለን። ኣብ ጉዕዝኡ ብዙሕ ሐጎጽጎጽ እኳ እንተኣጋጠሞ፡ ነቲ ህዝባውነት ዝብል ኣምር ስለ ዝሓዘ ክፈርስ ኣይከኣለን። ሰባት ይወጽኡ ሰባት ይትክኡ። ኣብ ጉባኤኡ እምበኣር ነዚ ከንጸባርቕ ኢዩ ተራእዩ።

እዚ ጉባኤ እዚ ነቲ ዝነበሮ ቅርጺ እውን ኣይተንከፎን። ነቲ ብሰለስተ ባይቶታት ዝቐመ ቅርጹ፡ ማለት ባይቶ ከተማ፡ ባይቶ ሃገርን ባይቶ ዓለምን ከም ዘለዎ ክኸይድ ኢዩ ተሰማሚዑ። እዚ ነቲ ህዝባውነት ዝብል ኣምር ዘውሕስ ቅርጺ ብምዃኑ ከኣ ንይኣክል ኣብ ምክልኻል ዓቢ ተራ ኔርዎ ኢዩ። እዚ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ተቓውሞ ኤርትራ ክርአ ዝጸነሐ ናይ ሓደሽቲ ውድባት ምፍጣርን ምፍራስን ባህሊ ከጉድሎ ጥራይ ዘይኮነ ንሓዋሩ ከጠፍኦ እውን ተኽእሎ ኣሎ። ይኣክል በዚ ሒዝዎ ዘሎ ቅርጺ፡ ኣይኮነን’ዶ ውልቀሰብ፡ ከተማ ወይ ሃገር እውን ካብ ይኣክል እንተወጺኡ ንይኣክል ከፍርሶ ኣይክእልን ኢዩ።

ኣብ’ዚ ጉባኤ’ዚ ኣብ ሓጺር እዋን ብህዝቢ፡ ስራሕ ይኣክል ንምዕባይ ዝተወፈየ ገንዘባዊ ሓገዝ ካልእ ንእሽቶ ዝመስል መርኣያ ህዝባውነቱ ኢዩ። ካብ ምሉእ ዓለም ዝተኣከበ ህዝቢ፡ ገንዘባዊ ሓገዝ ተሓቲቱ ብኣጋ መልሲ ምሃቡ ከኣ ክሳብ ክንደይ ኣብዚ ምንቅስቓስ እምነት ከም ዘለዎ ዘርኢ ሓደ ምልክት ኢዩ። ህዝባዊ ባህሪ እንተዘይነብሮ ድማ ከምዚ ዝኣምሰለ ወፈያ ኣብ ሓጺር እዋን ክገብር ኣይምኸኣለን።

ዓንደ ሕጊ ዓለም-ለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኩሉ ኣብ ባይቶ ዝተሓዝ መዝነታት ብምርጫ ክውሰን ከምዘለዎ ኢዩ ዘገድድ። ነዚ ህዝባውነት ዝሰረቱ ኣወሃሃባ መዝነት ድማ ብግብሪ ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ተሰሪሕሉ ኢዩ። ካብ ኣቦ መንበር ጀሚርካ ዝተዋህቡ 13 መዝነታት ብድምጺ 60 ኣባላት ባይቶ ኢዮም ተወሲኖም። እዚ ዓይነት ኣወሃህባ መዝነት ከኣ ነቲ ኣብ ህዝቢ ንነዊሕ እዋን ተደጒሉ ዝጸነሐ ሓድሕድ ምጥርጣር ወጊዱ፡ ኩሎም ኣባላት ባይቶን ንዐኦም ዝወከለ ህዝብን ብዕግበት ንቕድሚት ከምዝጥምቱ ጌሩ ኢዩ።

እቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ከም ካልኣይ ሒዝዎ ዘሎ መትከል እቲ “ጽምዶ” ዝብል ኢዩ። ከምቲ ህዝባውነት ሓሳብ እምበር ቃል ኣይኮነን ዝበልናዮ፡ እዚ ጽምዶ ዝበሃል ኣምር እውን ሓሳብ ኢዩ ቃል ጥራይ ኣይኮነን። ነዚ ጽምዶ ዝብል መትከሉ ከኣ ኣብ ጉባኤኡ ብብዙሕ መንገዲ ከንጸባርቖ ፈቲኑ ኢዩ። ኣብዚ ጉባኤ እዚ ንኽሳተፍ ዘይተዓደመ ኣካል ኣይነበረን። ምናልባሽ ብናይ ስራሕ ኣጋጣሚ ናብቲ ጉባኤ ክመጽእ ዘይከኣለ ሰብ ወይ ትካል ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ብዙሓት ተሳተፍቲ ጉባኤ፡ ኣብ ኩሉ ምንቅስቓሳትን ውድባትን ዘለዉ ኤርትራውያን ነናቶም ቃል ከስምዑ ምርኣዮም ድማ፡ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ክሳብ ክንደይ ንመትከላቱ ንምትግባር ይሰርሕ ከም ዘሎ ከስተብህልሉ ክኢሎም ኢዮም።

ይኣክል፡ ብዙሓት ኣተሓሳስባታት ዝጠርነፈ ናይ መቃለሲ ባይታ ኢዩ። ነዚ ኹሉ ኣተሓሳስባታት ጠርኒፍካ ብሓባር ክትጓዓዝ ዘለዎ ብድሆ ቀሊል ከም ዘይኮነ ካብ ኤርትራዊ ንላዕሊ ዝፈልጥ ምናልባት ዘሎ ኣይመስለንን። ስለዚ ከኣ ኢዩ ይኣክል ብግስ ከይበለ ጽምዶ ዝብል ኣምር ኣተኣታትዩ፡ ሓቛፊ ባይታ ክፈጥር ዝፈተነ። ዓለም ለኻዊ ባይቶ እምበኣር ኣገዳስነት ናይዚ ጽምዶ ኣብ ግምት ስለ ዘእተወ ኢዩ፡ ብሰነድ ደረጃ፡ ድሕሪ ናይ ዓመትን ፈረቓን ክትዕን መጽናዕትን፡ ናይ ጽምዶ ወረቐት ኣቕሪቡ ዘጽደቐ። ስለዚ ይኣክል፡ ምስ ዝኾነ ይኹን፡ ሰብ ይኹን ትካል፡ ሃገር ይኹን ማሕበር፡ ኣብ መትከሉ ተመርኲሱ ዝምድናታት ክገብር ዝኽልክሎ ሕጊ ይኹን ገደብ የለን።

ንዕላምኡ ዘተግብሩ ስትራተጅታት ምስ ግዜ ክቀያየሩ ባህርያዊ እኳ እንተኾነ፡ መትከሉ ግን ምስ ኩሉ ተጻሚድካ ንናይ ሓባር ዕላማ ምስራሕ ኢዩ። ነዚ መትከል እዚ ከኣ ኣብ ጉባኤኡ ኣንጸባሪቕዎ ኢዩ። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ብሓንሳብ ክዛረቡ ዘይክእሉ ግን ከኣ ናይ ሓባር ዕላማ ዘለዎም ዉልቀሰባት ይኹኑ ውድባት ኣብ መድረኹ ዓዲሙ ናታቶም ጽሑፋት ይኹን ቃል ከስምዑ ምዕዳሙ፡ ክሳብ ክንደይ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ጽምዶ ዝብል መትከል ይሰርሕ ምህላዉ ዘርኢ ዓቢ ምልክት ኢዩ።

እቲ ሳልሳይ መትከል፡ ብዙሓት ናይ ኩላትና ዝመስለና፡ ግን ከኣ ኣብ ብዙሓት ካባና ዘየለ መትከል ኢዩ። ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኢርትራ ንድሕሪት ክጎትት ዝጸነሐ፡ ኤርትራውያን ብሓንሳብ ከይንሓስብ ዓቢ ተጻይ ዝኾነ፡ ምንጻር ናይ ኣተሓሳስባ ዘድልዮ ሰፊሕ ኣምር ዘለዎ መትከል ኢዩ። ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ይኹን ብሓፈሽኡ ኩሉ ናይ ይኣክል ምንቅስቓሳት “ሓደ ጸላኢ” ዝብል መትከል ከልዕል ከሎ ብዘይ ምኽንያት ኣይነበረን። እዚ ብክልተ ቃላት ዝቖመ ሓረግ ከም ህዝባውነትን ጽምዶን ሓሳብ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ጸላኢኡ ኣብ ምልላይ ስለ ዝተጸገመ ኢዩ ን30 ዓመታት ደምዩ። ሓደ ጸላኢ እንዳሃለዎ ኣብ ርእሱ ነናቱ ጸላእቲ ፈጢሩ ምሒር ሃሊኹ ምሒር ከኣ ደምዩ።

እዚ ብዓለም ለኻዊ ይኣክል ዝተኻየደ ጉባኤ እምበኣር ነዚ ኣምር እዚ ብብዙሕ መንገዲ ከንጸባርቖ ኢዩ ተራእዩ። ቅድሚ ጉባኤ ብኣዳለውቲ ጉባኤ ዝተኻየደ ቃለ መሕትታት፡ ናይ ዕድመ ደብዳቤታት፡ ፖስተራት፡ ናይ መወዓዋዒ ድምጽታት፡ ኣብ ግዜ ጉባኤ ዘስመዖም መግለጺታት፡ ግጥምታትን፡ ደርፍታትን ናብ ሓደ ጸላኢ ዝቐንዑ ኢዮም ኔሮም። ብዓውታ ከኣ ኩሎም እቶም ንፍትሒ ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮኑ፡ ምስ ህግደፍ ተደናጊሮም ዝሰርሑ ዘለዉ ኣካል ናይዚ ህዝቢ እውን ፈተውትና ምዃኖም ኢዩ ኣንጸባሪቑ። ስለዚ፡ ይኣክል ሓደን እንኮን ጸላኢ ከም ዘለዎ ኢዩ ብግብሪ ሰሪሑ። ንሱ ከኣ፡ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ሒዙ ሃገር ዝርምስ ዘሎ ኣብ ኣስመራ ዓስኪሩ ዘሎ ጃንዳ ኢዩ። ይኣክል፡ ግዚኡን ዓቕሙን ኣንጻር እዚ ሓደ፡ ብውልቀ ሰብ ዝምራሕ ዘሎ ጸላኢ ጥራይ ምዃኑ፡ ደጋጊሙ ተዛሪቡ ጥራይ ዘይኮነ ብግብሪ ከም ዝሰረሐ ኣብ ጉባኤኡ ኣንጸባሪቕዎ ኢዩ። ዓለም ለኻዊ ባይቶ ሓደ ካብቶም ዝተኻታዓሎም ወረቓቕቲ እቲ መርሓ ጎደና ዝብል ኢዩ። እዚ መርሓ ጎደና እዚ ናብ ሓደ ጸላኢ ዘነጻጸረ፡ ንዓቅምታት ይኣክል ኣብ ግምት ዘእተወ ብግዜ ዝዕቀን መደብ ወይ ዕማም ኢዩ። ክንዮ ምእላይ ስርዓት ህግደፍ ዝኸይድ መርሓ ሕንጻጻት ዘካተተ፡ ምስ ግዜ ግብራዊ ውጽኢት ከምጽእ ዝኽእል፡ ኩሉ ምስ ይኣክል ክጓዓዝ ኢየ ዝብል ከኣ ክርድኦን ከሀብቶሞን ዘለዎ መርሓ ጎደና ኢዩ።

ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ፡ ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ይኹን ኩለን ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ናይ ይኣክል ምንቅስቓሳት ነተን ሰለስተ መትከላት ኣብ ግምት ዘእተወ ስራሕ ብግብሪ ይሰርሓ ከም ዘለዋ ኢየ ትዕዝብተይ ክገልጽ ጸኒሐ። ካብዚ ቀጺለ እምበኣር ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ከስተብህለሎም ኣለዎም ዝብሎም ትዕዝብተይ ከቕርብ ክፍትን ኢየ።

  1. ንቅርጺ ብዝምልከት

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፡ ቅርጺ ይኣክል፡ ብከተማ ጀሚሩ ናብ ዓለም ዝበጽሕ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ከተማ ከኣ ናታ ዓይነት ኣገባብ ቅርጺ ክትሕዝ መሰላ ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከተማ ዘለዉ ኤርትራውያን ባዕላቶም ዝሓረይዎ ወይ ዝተሰማምዕሉ ቅርጺ ኢዩ ክህልዎም ዘለዎ። ባይቶ ከተማታት፡ “ናይ ክንደይ ኣዋርሕ ወይ ዓመታት ዕድመ ኣለዎ” ዝብል፡ ከተማታት ባዕላተን ዝውስንኦ ኢዩ። ስለዚ ከተማታት ኣብ በበይኑ እዋናት፡ ጉባኤ ጌረን ሓደስቲ ሰባት መሪጸን ኢየን ናብ መዝነት ዘምጽኣ። ልክዕ ከም ከተማታት፡ ሃገራት እውን ከምኡ ጠባያት ኣለወን። ቅርጸን ይፈላለ – ዕድመ መዝነት ናይቶም ንናይ ሃገር ባይቶ ዝተላእኩ እውን ይፈላለ።

ይኣክል፡ ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ ዝኾነ ናይ ከባቢና ህላወን፡ ኣብ ውሽጢ ሓድነቱ ብብዙሕ ምኽንያት ዝተዳኸመን ህዝቢ ኮይኑ ኢዩ ክሰርሕ ዝፍትን ዘሎ። ኣብዚ ንካልኣይ መድረኽ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ከጋጥሞ ዝኽእል መጥቃዕቲ ውሑድ ኣይክኸውንን ኢዩ። እቲ ሓደ ጸላኢ ኢልና ዘቐመጥናዮ መትከል ተረሲዑ፡ ጸላእትና፡ ኣብ ውሽጥና ብዙሓት ጸላእቲ ክፈጥሩልና ይኽእሉ ኢዮም። ስለዚ፡ እዚ ይኣክል ጌርዎ ዘሎ ቅርጺ ውሕስነት ናይ ከተማን ሃገርን ክከላኸል ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ውልቀሰባት ደረጃ ወሪዱ ግን ክከላኸል ዝኽእል ኣይመስለንን።

ሕጊ ይኣክል፡ ሓደ ሰብ ኣብ ከተምኡ እንተዘይተመሪጹ፡ ካብ ኩሉ ሒዝዎ ዝጸነሐ መዝነታት ይወርድ ኢዩ ዝብል። እዚ ነቲ ህዝባውነት ዘውሕስ ስለ ዝኾነ ክሰዓብ ዘለዎ ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ምስ ብዝሒ ከተማታትን ሃገራትን፡ ዝኽተለኦ ናይ ምርጫ ግዜን ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ኣብ ዓለም ለኻዊ ይኣክል ኮይኖም ዝምዘዙ ሰባት፡ ኣድማዒ ስራሕ ንክሰርሑ ግዜ ዘይህብ ከይከውን እንታይ መከላኸሊ ኣሎ? ንኣብነት፡ ሓደ ብከተማ ተወኪሉ ናብ ሃገር ዝኸደ፡ ካብ ሃገር ከኣ ናብ ዓለም ለኻዊ ባይቶ ዝተመርጸ ሰብ፡ ገና ናይ ኣገልግሎት ዕድሚኡ ከይወደአ ከሎ ካብ ከተምኡ እንተደኣ ተኣልዩ፡ እቲ ሒዝዎ ዝነበረ ቦታ ብካልእ ሓድሽ ሰብ ክትካእ ኢዩ። ስለዚ ኣብ ሓጺር ግዜ ናይ መዝነት ምቅይያር ከኣ ነቲ ቃልሲ ክሃስዮ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ከተማታት ክፍጠር ዝኽእል ናትካ ሰብ ናይ ምእታው ሓድሽ ዘይነበረ ባህሊ ከተኣታቱ ይኽእል ኢዩ።

ሓበሬታ ካብን ናብን ኣብ ምምሕልላፍ እውን ካልእ ጸገማት ዘሎ ይመስል። ቅርጺ ዓለም ለኻዊ ባይቶ ምስ ኣብ ከተማታትን ሃገራትን ዘሎ ቅርጺ ተመሳሳልነት እምበር ሓደ ኣይኮነን። እዚ ነቲ ህዝባውነት ዝብል ኣምር ንምውሓስ ተባሂሉ ዝተገብረ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ካብ ላዕሊ ድማ ንታሕቲ ዝድይብን ዝወርድን ሓበሬታ ብመዛኑ ክኸውን ተመራጺ ምኾነ። ንኣብነት፡ ሓደ ናይ ኣብ ዓለም ለኻዊ ዘሎ ናይ ጎስጓስ ሓላፊ ምስቶም ኣብ ሃገራት ዘለዉ ናይ ጎስጓስ ሓለፍቲ ርክብ ክገብር ኣለዎ። ሓደ ናይ ሃገር ናይ ጎስጓስ ሓላፊ ከኣ ምስ ኣብ ከተማ ዘሎ ናይ ጎስጓስ ሓላፊ ርክባት ክገብር ይምረጽ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምምሕልላፍ ናይ ሓበሬታ ክህሉ ግን ሓደ ዓይነት ቅርጺ ኣብ ኩለን ሃገራትን ከተማታትን ክህሉ የድሊ። እዚ ዓይነት ቅርጺ`ዚ ኣብ ገለ ሃገራት ተግባራዊ ክኸውን ከም ዘይክእል ርዱእ ኢዩ። ሃገራት ዝተፈላለየ ዓቕሚ ሰብ ኢዩ ዘለወን። ንዘለወን ዓቕሚ ሰብ ኣብቲ ዝድለ መዓላ ከውዕላ ኢዩ ከኣ ዝያዳ ዝምረጽ። ስለዚ ብኸመይ ክትሓዝ ይከኣል ዝብል ሓደ ሃጓፍ ዘሎ ይመስል።

ብናተይ ትዕዝብቲ ክልተ ምምሕያሽ ምግባር ዘድሊ ይመስለኒ። ክልተ ናይ ምርጫ ዘመን ጥራይ ብምግባር፡ ኩለን ሃገራት ኣብዚ ክልተ ናይ ምርጫ ዘመናት፡ ምርጭአን ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ወርሒ ክግበር ብሕጊ ክውስና ኣለወን። ከተማታት ነዚ ናይዘን ሃገራት ናይ ምርጫ ግዜ ኣብ ግምት ኣእትየን ናይ ምርጫ ግዜአን ከስተኻክላ ይግባእ ይብል። እዚ ነቲ ዕድመ ምሩጻት ኣብ ኩሉ ናይ ይኣክል ምንቅስቓሳት ሓደ ከም ዝኸውን ክገብሮ ይኽእል። ብኡ መጠን ከኣ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ይኣክል ዘለዉ ሰብ መዚ እኹል ግዜ ረኺቦም ዕማማት ንኸተግብሩ ይሕግዝ። ነቶም ዝሰርሑ ዘለዉ ናይ ምእላይ ብጸላእቲ ይኣክል ዝግበር ዘይቅዱስ ዘመተ ከጉድሎ ይኽእል። ዘይሰርሑ ሰባት ምእላይ ወይ ምትካእ ዘድሊ እንተኾይኑ፡ ኣብ ክንዲ ብምርጫታት በብዝውከልዎ ባይቶታት ክውሰን ዝያዳ ውሕስነት ምሃለዎ እብል።

ብናተይ ትዕዝብቲ ክልተ ምምሕያሽ ምግባር ዘድሊ ይመስለኒ። ክልተ ናይ ምርጫ ዘመን ጥራይ ብምግባር፡ ኩለን ሃገራት ኣብዚ ክልተ ናይ ምርጫ ዘመናት፡ ምርጭአን ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ወርሒ ክግበር ብሕጊ ክውስና ኣለወን። ከተማታት ነዚ ናይዘን ሃገራት ናይ ምርጫ ግዜ ኣብ ግምት ኣእትየን ናይ ምርጫ ግዜአን ከስተኻክላ ይግባእ ይብል። እዚ ነቲ ዕድመ ምሩጻት ኣብ ኩሉ ናይ ይኣክል ምንቅስቓሳት ሓደ ከም ዝኸውን ክገብሮ ይኽእል። ብኡ መጠን ከኣ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ይኣክል ዘለዉ ሰብ መዚ እኹል ግዜ ረኺቦም ዕማማት ንኸተግብሩ ይሕግዝ። ነቶም ዝሰርሑ ዘለዉ ናይ ምእላይ ብጸላእቲ ይኣክል ዝግበር ዘይቅዱስ ዘመተ ከጉድሎ ይኽእል። ዘይሰርሑ ሰባት ምእላይ ወይ ምትካእ ዘድሊ እንተኾይኑ፡ ኣብ ክንዲ ብምርጫታት በብዝውከልዎ ባይቶታት ክውሰን ዝያዳ ውሕስነት ምሃለዎ እብል።

እቲ ካልኣይ ምምሕያሽ፡ ናይ ሓበሬታ ምምሕልላፍን ምትእስሳርን ናይቲ ስራሕን ኢዩ። ብ60 ወይ 65 ኣባላት ዝቖመ ዓለም ለኻዊ ባይቶ ይኣክል ንኹሉ እቲ ስራሕ ክዓሞ ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚ፡ ኣብ ከተማታት ብዘለዉ ሰባት ኢዩ እቲ ስራሕ ክዕመም ዘለዎ። ከተማታት ካብ ላዕሊ ዝወርድ ሓበሬታ በቲ ግቡእ መንገዲ ናብ ሰራሒ ክበጽሕ ይግባእ። ነዚ ንምግባር ከኣ ነቲ ኣብ ዓለም ለኻዊ ባይቶ ዘሎ ቅርጺ ክመሳሰል ዝኽእል ቅርጽታት ኣብ ከተማታትን ሃገራትን ክህሉ የድሊ። እተን ናይ ዓቕሚ ሰብ ጸገም ኣለና ዝብላ ከተማታትን ሃገራትን እውን ከይተረፈ፡ ነዚ ቅርጺ`ዚ ዝርዕማሉ መንገዲ ክፍጠር ይግባእ ይብል። ሓደ ሰብ ናይ ክልተ መዝነት እንዳ ሃብካ እውን ክግበር ዘይከኣለሉ መንገዲ ዘሎ ኮይኑ ኣይስምዓንን።

2. ንምርጫን ኣድማዕነቱን ብዝምልከት

ኩሉ መዝነታት ናይ ይኣክል ብምርጫ ክተሓዝ ሕጋዊ እኳ እንተኾነ፡ ኣብዚ ይኣክል ክኸዶ መዲቡ ዘሎ ካልኣይ መድረኽ ግን ብምርጫ ጥራሕ ክትሓዝ ሓጋዚ ኣይመስልን። ብዙሕ ግዜ ምርጫ ከም መግለጺ ዲሞክራሲ ስለ ዝቑጸር፡ ይኣክል ይኹን ህዝቢ ኣብ ምርጫታት ዘለዎ እምነት ላዕሊ ኢዩ። እዚ ከኣ ቅዱስን ምኽንያታውን ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ካብቲ ሕርያ ተባሂሉ ዝግበር ኣወሃህባ መዝነት ዝተሓተ ኣድማዕነት ከምዘለዎ ብሳይንስ ዝተረጋገጸ ኢዩ። ስለዚ፡ ከመይ ጌሩ ይኣክል ንምርጫን ሕርያን ኣዛሚዱ ክዓዪ ይኽእል ክሕሰበሉ ዘለዎ ኮይኑ ይስመዓኒ።
ኣብዚ ሕቶ`ዚ ነዚ ዝስዕብ ምምሕያሽ እንተዝግበር ዝብል ምሕጽንታ ኣለኒ። እቲ ቀንዲ ቦታታት ናይ መዝነት ብምርጫ ይተሓዝ። ንኣብነት ከም ኣቦ/ኣደ መንበር፡ ምክትል ኣቦ/ኣደ መንበር፡ ጸሓፊ ዝኣመሰሉ ሰለስተ ቦታታት። እዞም ሰባት ናታቶም ኣማኸርቲ ካብ ምሉእ ዓለም ብምሕራይ (እንተላይ ካብ ኣባላት ባይቶ) ነቲ ዕማማት ዝመርሕዎ ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት ምርቋሕ። ስለዚ ኣባላት ባይቶ ምሩጻት ክኾኑ ከለዉ፡ ሓለፍቲ ዕማማት ይኣክል ግን ርቑሓት እንተዝኾኑ ሓጋዚ ምኾነ እብል። ምናልባት ርቑሓት ሕጋዊ ንምግባሮም እንተደኣተደልዩ፡ ባይቶ ከጽድቐሎም ይኽእል ኢዩ።

3. ንጹርነት ናይ ስትራተጂን ኣተሓሳስባን

ይኣክል፡ ናይ ብዙሕ ኣተሓሳስባታት ዘለዎም ሰባት ዝጠርነፈ ናይ መቃለሲ ባይታ ኢዩ። እዚ ኩልና ንረዳዳኣሉ፡ ኣብቲ ሰለስተ መትከላት ይኣክል ከኣ ዝሰፈረ ኢዩ። ይኹን እምበር ንነዊሕ እዋን ሓሊኾም ዝሓዙና፡ መፍትሒ ከኣ ክንረኽበሎም ዘይከኣልና ኣተሓሳስባታት ኣለዉ። ገሊኦም ኣብ 40ታት ዝጀመሩ ኢዮም። ገሊኦም ብጸላእቲ ኤርትራ ወይ ወረርቲ ኤርትራ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ብግዲ ዝተጻዕኑ ኢዮም። ገሊኦም ካብ ሓቂ ዝረሓቑ፡ ዝኾነ ይኹን መርትዖ ዘይተረኽቦም ኢዮም። ስለዚ፡ ይኣክል ከም ሓላፍነት ወሲዱ፡ ከጽንዖን ንጹር ዝኾነ ኣተሓሳስባ ወኒኑ ክኸይድን ክኽእል ኣለዎ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ኣተሓሳስባ ንጹርነት ከተኣታቱ እንተዘይክኢሉ፡ እዚ ባይቶ እዚ ብግዳም ከይጽሎ እንታይ ውሕስነት ኣሎ?

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብፍላይ ከኣ ድሕሪ ምምጻእ ይኣክል፡ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራን ፖለቲከኛታትን ቁሩብ ምብርባር ተራእዩ ኢዩ። ምስ ምጅማር ውግእ ሓድሓድ ኢትዮጵያን ምእታው ኤርትራ ናብ ትግራይን ከኣ ተደጒሎም ዝጸንሑ ኣተሓሳስባታት ክንጸባርቑ ጀሚሮም ኢዮም። እቲ ዘይተርፍ ምእላይ ምልካዊ ስርዓት ይቐርብ ከም ዘሎ ከኣ ዘርኢ ሓደ ምልክት ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ክሳብ ሕጂ ናይ ፖለቲካ ኢርትራ ሞዴላት ጀብሃን ሻዕብያን ጥራይ ኢየን ዘለዋ። ሕጂ፡ ድሕሪ 30 ዓመታት ናጽነት፡ ሞዴላት ኮይነን ክጸንሓ ከኣ ክሳብ ክንደይ ደኺምና ከም ዘለና ዘርኢ ኢዩ። ኩሉ እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራውያን ዝግበር ናይ ጽሑፍን ቃልን ምምልላስ ካብዘን ክልተ ሞዴላት ዝወጸ ኣይኮነን። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ይኣክል ክቕይሮ ክኽእል ኣለዎ። ብናይ 40ታት ኣተሓሳስባ ክምራሕ ኢየ ዝብል እንተደኣ ኮይኑ ግን ነቲ ጀብሃን ሻዕብያን ጌረንኦ እንብሎ ጌጋታት ምድጋም ኢዩ። ስምብራቱ ከኣ ናብ ዝመጽእ 3-4 ወለዶታት ክሓልፍ ኢዩ።

ኣብ ናይ ሜድያ ትካላቱ፡ ብመራሕቱን ሓይሊ ዕማማቱን ዝግበር ርክባት ብትብዓት ነቶም ሓሊኾም ሒዞምና ዘለዉ ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ክዛረበሎምን ክጽሕፈሎምን ይግባእ። ተጻራሪ መርገጺ ዘለዎም ሰባት እንዳምጸአ ህዝቢ ተሳታፍነቱ ኣብቲ ክትዕ ከዕዝዝ ምጽዋዕ ከድሊ ኢዩ። ከም ሰገን ርእስኻ ኣብ ሑጻ ቀቢርካ ዝፍታሕ ሽግር የለን። ግዜኦም እንተዘይኮይኑ`ውን ስለምንታይ ግዜኦም ከም ዘይኮነ ምዝራብ ፍርቂ ናይቲ ፍታሕ ኢዩ። ይኣክል፡ ኣብዚ ካልኣይ መድረኽ ከምቲ ቀዳማይ መድረኽ ክኸይድ እንተደኣ ኮይኑ 2 ዓመት ዘይኮነ 4 ዓመታት ከድልዮ ኢዩ። ስለዚ፡ ብቕልጡፍ ንኽኸይድ ናይ እተሓሳስባ ንጹርነት ከድልዮ ኢዩ።

4. ምሉእ ግዜኦም ዝሰርሑ ሰባት ብዝምልከት

ከምቲ ኣብቲ ጉባኤ ዝተባህለ ምሉእ ግዜኦም ዝሰርሑ ሰባት እንተዘይተረኺቦም ምስ ዕብየት ናይቲ ምንቅስቓስን ዕማማቱን ዓቢ ብድሆ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ይኣክል ቀጻሊ ዋሕዚ ኣታዊ እንተዘይሃልይዎ ከኣ፡ ብደሞዝ ዝሰርሑ ሰባት ክገብር ከጸግሞ ኢዩ። ስለዚ፡ ይኣክል ውሑስ ኣታዊ ከምጽእሉ ዝኽእሉ ፕሮጀክትታት ክሕንጽጽን ዝፈልጡ ሰባት ክውከስን ይግባእ።

ከም ምሕጽንታ ግን ነዚ ዝስዕብ ክብል ምደለኹ። ንህዝቢ ብዓቢ ዘመተ ገንዘብ ከዋጽእ ምሕታት። እዚ ዘመተ`ዚ ቀጻሊ ክኸውን ምናልባት ጽቡቕ ኣታዊታት ከይርከቦ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ፡ ኣድማዒ ዝኾነ ሓንቲ ዘመተ ጌርካ፡ ነቲ ብእኡ ዝተኣከበ ገንዘብ ኣብ ካልእ ገንዘብ ክርከቦ ዝኽእል ወፍሪ ምውፋር። ነዚ ዘጽንዑ ኣካላት መዚዝካ ግብራውነቱ ምርግጋጽ። ምስ ህዝቢ ከኣ ብቅሉዕ ምዝርራብ። ብኸምዚ ከኣ ውሑስ ኣታዊ ትረኽበሉ መንገዲ ብምፍጣር፡ ምሉእ ግዜኦም ዝሰርሑ ሰባት ወይ መራሕቲ ክፍጠር ዝከኣል ይመስለኒ።

ኣብ መወዳእታ፡ ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክልን፡ ኣብ ኩሉ ሃገራትን ከተማታትን ዘለዋ ናይ ይኣክል ምንቅስቓሳትን ናይ ክልተ ዓመታት ገምጋም ብምግባር ምሕጽንተአን ናብ መሪሕነት ዓለም ለኻዊ ባይቶ ይኣክል ብጽሑፍ እንተ ዘቕርባተመራጺ ምኾነ ይብል። ይኣክል ካብ ቀዳማይ መድረኽ ዓቢ ትምህርቲ ወሲዱ፡ ነዚ ካልኣይ መድረኽ ብዝላ ክኸዶ መሳርዑ ምምዕርራይ ከድልዮ ኢዩ። ምስ ህዝቢ ሓቢሩ ከም ዝገብሮ ከኣ ርግጸኛ ኢየ።

Stay Connected

- Advertisement -

Latest Articles