5 C
London
Friday, April 26, 2024

ብሓበንን ቃንዛን እትዝከር ወርሒ!!

ኣብ ሃገርና ወርሒ መስከረም ብኽልተ ፍሉይ ፖለቲካዊ ኣጋጣሚታት እትዝከር ወርሒ እያ። ኣብ ምፍላም እታ ወርሒ ብምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ 1961 ትዝከር። ድሕሪ ሰላሳ ዓመት እተባዕለት ባሕቲ መስከረም ብዓወት ምዝዛም ብረታዊ ቃልሲ ተባዒላ። እታ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ጉዕዞ ነጻ ኤርትራ፡ ኣብ 2001 ኣብ ውጡር ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ዝተኸብረት ባሕቲ መስከረም ግን ብርዕን ድምጽን ዝሓዙ ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን ኣርካናት ቃልስን ብረትን ሓይልን ዝሓዘ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ጉጅልኡን ዝተፋጠጡላ ዓመት ብምንባራ ኣብ ጭኑቕ ሃዋሁ እያ ተዘኪራ።

ኣብ መፋርቕ እታ ወርሒ ኣብ 18 መስከረም 2001 ከኣ ብሕታዊ ሚድያታት ሕትመት ተኣጊደን እቶም ኤርትራ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ክትተክል ዝጠለቡ ኣርካናትን ብሞየኦም ደሞክራሲያዊ መድረኽ ዝኸፈቱ ኣሰናዳእትን ኣዳለውትን ጋዜጣታትን ንርእቶን ሓሳብን ለውጢ ዝደገፉን ዝሰዓቡን ገዳይም ተቓለስቲ ፍትሒ ካድራት ከካብ ኣባይቶም ብቓጻ ተኣሲሮም ካብ ዝስወሩ ዕስራ ዓመት ኮይኑ እነሆ።

ስለዝኾነ ከኣ እያ እዛ ወርሒ እዚኣ ብሓበንን ቃንዛን ትዝከር። ነቲ ቃልሲ ጀሚሩ ኣሰር ሰማእታት ደቁ ተኸቲሉ ቃልሲ ዝዛዘመ ህዝብን ተጋዳላይን ሓበን ክትከውን እንከላ ነቶም ብዝኣመኑዎ ስርዓት ተጠሊሞም ብቓጻ ዝተሰወሩ ንሃገርን ህዝብን ብዙሕ ከበርክቱ ሕልናን ድሌትን ዝነበሮም ተቓለስትን ስድራ ቤቶምን መላእ ደላይ ፍትሕን ከኣ ቃንዛ እያ።

እዛ ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ዘበሰረት ወርሒ መስከረም ን41 ዓመታት ብሓበን ክትዝከርን ክትጽንበልን ድሕሪ ምጽናሕ ካብ 2001 ኣትሒ ብኹሎም እቶም ቅድምን ድሕርን እዚ እዋን  ብግፍዒ ዝተኣስሩ ዜጋታትና ብስቓይን ቃንዛን ትዝከር ኣላ።

ህዝቢ ኤርትራ ብህሉው ኩነታት ሃገሩን በቶም ኣብዛ ብስቓይ እትዝከር ዘላ 18 መስከረም ብዓመጽ ዝተቐየዱ ኣርካናት ቃልሲ ጀጋኑ ደቁ ክሓስብ ዕረፍቲ ቀትሪ ኮነ ልዋም ለይቲ ኣይረኸበን ዘሎ። ኪኖ ዝኽርን ሓሳብን ከኣ ነቲ ደለይቲ ለውጢን ምዕባለን ኣርካናት ዘልዓሉዎ ሕቶ ሕቶ ክብረትን መሰልን ሕቶ ፍትሕን ልዕልና ሕግን ሕቶ ደሞክራስን ቅዋምን ብሕቡር ድምጺ ይቃላሕ ኣሎ።

እቶም ብቓልሶም ነጻነት ዘረጋገጹ ተቓለስቲ ንሃገሮምን ህዝቦምን መሰልን ክብረትን ብዘውሕስ ሓርነት ክድርዑ ብምሕሳብ ኣብ ቃልሲ ሓርነትን ድሕሪኡን “ንዝህቢ ዝኣተናሉ መብጽዓ ነተግብር ስልጣን ብሕጋዊ መዲ ናብ ህዝቢ ነሰጋግር።” ክብሉ እንከለው፡ ህዝቢ ብሕቡር ድምጺ እንተዝድግፎም ሎሚ ዛንታ መስከረም ዛንታ ሓበንን ክብረትን ኮይኑ ምቐጸለ።

እንተኾነ እቲ ርእይትኡን ሓሳቡን ከይገልጽ ዝተዓፈነ፡ ድምጽን ፕሮፖጋንዳን ሓደ ወገን ጥራሕ ክሰምዕ ዝተፈርደ ህዝቢ፡ ሓቢሩ፡ ኣብ እዋኑ “ ይእከል – ድምጺ ህዝቢ ይሰማዕ” ስለዘይበለ፡ ምግድዳዕ ስዒቡ፡ ኣርካናት ዒላዒሮን ብተመሳሳሊ ርእይቶ ኣብ ፈቐድኡ ጎዳጉዲ ዝተቐየዱ ደለይቲ ፍትሕን ለውጥን ብዘይ ሕጋዊ ክስን ንቡር መስርሕ ቤት ፍርድን ይሳቐዩ ኣለው።

ወርሒ መስከረም ከምቲ ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ዘበሰረት፡  ዳግም ሓርነት ህዝቢ ንከተበስር ህዝቢ፡ ንመሰሉን ክብረቱን ክትንስእን ንምልካዊ ኣርዑትን መሳርዕን ግፍዕን መኪቱ ነብሱ ሓራ ከውጽእን ትጽውዕ።

 ኣርዑትን ብኹሉ ዝኽእሎ ዘበለ እጅግኡ ክስብስብን   እንብሰረላ

ወርሒ ክንገብራ፡ ጀጋኑና ዝፈለምዎ ሕቶ ሰብኣዊ ክብረትን ሓርነትን እጅገና ሰብሲብና ክንዕጠቐሉ ይግባእ። እዚ ከኣ ብሕቡር ድምጽን ስራሕ እዩ ክረጋገጽ ዝኽእል። ብፍላይ እቶም ትማል ናጽነት ሃገር ኵን ንምግባር፡ ኣብ ግንባር ተሰሊፍኩም  ብዕጥቂ ብረት ሃገር ናጻ ዝገበርኩም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ሎሚ እውን ሉጓም ምልኪ ህዝብኹም ፈቲሕኩም ህዝብኹምን እሱራትኩምን  ሓራ ከተውጽኡ ትሕተቱ ኣለኹም። “ ጀጋኑ ቃልሲ ሃገር ኣምጺኦም ሃገር ኣጥፊኦም፦” ንዝበሃል ዘሎ ቅጽል “ ሃገር ፈጢሮም ሃገር ከኣ ኣሕውዮም፦” ብዝብል ክቡር ቅጽል ክትዛዝምዎ ትሐትቱ ኣለኹም። ህዝብኹም ከኣ ከም ወትሩ ምሳኹም ከምዘሎን ክትርድኡ ይግባእ።

Stay Connected

- Advertisement -

Latest Articles